ኢየሱስ ክርስቶስ አምላኽ ምዃኑ ተዛሪቡ ዶ?

ኢየሱስ ክርስቶስ አምላኽ ምዃኑ ተዛሪቡ ?

ሙስሊም አሓትናን አሕዋትና ካብ ዘልዕልዎም ሕቶታት እቲ ሓደ ኢየሱስ ክርስቶስ አብ መፅሐፍ ቅዱስ አነ አምላኽ እየ ንዓይ አምልኹኒ ብምባል ዝተዛረበሉ አሪኡና ዝብል ሓሳብ እቲ ሓደና እቲ ዋና እዩ ።

እዚ ጥያቄ እዚ ሓቀኛ ወይከዓ አግባብ ዘለዎ ዋላ’ኳ እንተመሰለ ግን ከዓ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተልእኾ ብትኽክል ካብ ዘይምፍላጥና ናይ መፅሐፍ ቅዱስ ቋንቋ ብትኽክል ካብ ዘይምፍላጥ ዝመንጨወ ሕቶ እዩ። ኢየሱስ ክርሰቶስ አምላኽ ንምዃን ብግዲ አነ አምላኽ እየ እሞ አምልኹኒ ብምባል ክዛረብ ይግበኦ እዩ ዝብል ሓሳብ ምኽንያታዊ አይኾነን እዩ ። አብ መፅሐፍ ቅዱስ ውሽጢ ኢየሱስ ናይ እግዚአብሔር አብ ሓደ ወዱ ምዃኑ፣ ስለ ስቅለቱ፣ ስለ ሞቱ ከምኡ’ውን ስለ ካብ ሞት ምልዓሉ ዝተዛረበሎም ብዙሓት ቦታታት ይርከቡ እዮም ። ሙስሊም አሓትናን አሕዋትናን ከዓ ነዚ ፍንትው ዝበለ ሓቂ እዚ ንዘይምቅባሎም ኢየሱስ ”አምላክ እየ አምልኹኒ” ዝበሉ ቦታ እንተ አርኢናዮም እውን ክቅበልዎ ኸምዘይክእሉ እዩ የሪአና። ሐራይ እቲ ናታቶም ሕቶ ትክክለኛ ነጥቢ ደኣ እንታይ እዩ?

ሙስሊም አሓተይን አሕዋተይን አብ ብሉይ ኪዳን ውሽጢ እግዚአብሔር እሱ እቲ ሓቀኛ አምላኽ ምዃኑ ዝተናገረሎም ቦታታት ብምጥቃስ ኢየሱስ አብ ምድሪ አብ ዝነበረሉ እዋን ብተመሳሳሊ መንገዲ ክዛረብ ነይርዎ ይብሉና። ግን ከዓ ናይ ብሉይ ኪዳንን ናይ ሓዲስ ኪዳንን ግዚያት (ዘመናትን) አፈላላይ ከምዘለዎም አይግንዘቡን (አየስተውዕሉን)። እግዚአብሔር ብተመሳሳሊ ኹነታት ንባዕሉ ክገልፅ አይግበኦን እዩ ። ሕቶና ኽኸውን ዝግበኦ ግን ኢየሱስ ክርሰቶስ አምላኽነቱ ብምንታይ ወይ ከዓ ብኸመይ ዓይነት መንገዲ እዩ ገሊፅዎ? ዝብል እምበር ንዓና ብዝምችው መንገዲ ስለዘይተዛረበ አምላኽ አይኾነን ብምባል ምኽንባት ወይከዓ ምውድእ ትኽክል አይኾነን።

አብ ሓዲስ ኪዳን ውሽጢ ኢየሱስ ክርስቶስ አምላኽ ምዃኑ በዘየሻሚ ኹነታት ተዛሪቡ (ገሊፁ) እዩ ። ግን ከዓ እዚ መንገዲ ”አምላኽ እየሞ አምልኹኒ” ዝብሉ እዞም ቃላት ብምዝራብ ንኸይኸውን ይኽእል እዩ ። ስለዚ ከዓ ”አነ  ብዝበልክዎን ብዝሓረኽዎን መንገዲ እንድሕር ደኣ ዘይተዛሪቡ አምላኽነቱ አይቅበልን እየ  ብምባል” ካልኦት መረዳእታታት ምኽሓድ እቲ ዝሓትት ዘሎ አካል መልሲ ደላዪ እንተይኮነስ ኽርክር ደላዪ ምዃኑ  እዩ ዘሪአና

ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ምድሪ አብ ዝመላለሰሉ ዝነረበ እዋን ”አምላክ እየሞ አምልኹኒ” ዝብሉ እዞም ቃላት ምዝራብ ዘይአድለዮ ዝተወሰኑ ምኽንያት ምዝራብ ይከአል እዩ ። እዚ ማለት ከዓ ግን ኢየሱስ ክርሰቶስ አምላኽነቱ ክሒዱ፣ሓቢኡ ወይ ከዓ ብምንም መንገዲ አይተዛረበን ማለትና አይኮነን ።

  • ኢየሱስ ክርሰቶስ ናብ ምድሪ ዝመፀ አምላኽነቱን ጎይታነቱን ንምእዋጅ አይኮነን ። ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ተልእኾ ንባዕሉ አዋሪዱ ንብሓት ቤዛ ንምዃን እምበር መለኮታዊ ኽብሩ እናኣወጀ ሰባት ክፈልጥዎ ከምዘይኾነ አበቢ ስፍርኡ (ቦትኡ) እናዞረ አምላኽነቱ እንተዝእውጅ ምስቲ ዝመፀሉ ዓላማ ዝጠዓዓም አይኸውንን። ጎይታና ንናይባዕሉ ኽብሪ ኸምዘይመፀ ብተደጋጋሚ ተዛሪቡ እዩ (ዮሐንስ 8:50፣ማቴዎስ 20:28) ሐዋርያዊ ቅዱስ ጳውሎስ እዚ ሓሳብ ልቢ ብዘነክእ መንገዲ ገሊፅዎ (ፊልጵስዩስ 2:5-10)፡፡
  • ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ሞንጉኡን አብሞንጎ አቡኡን ዘሎ ናይ አካል አፈላላይ ግልፂ ኸይገበረ ”አምላክ እየ አምልኹኒ” ዝብሉ ቃላት ተዝዛረብ አይሁዳውያን ግር ምበሎም። አይሁዳውያን ብዛዕባ እግዚአብሔር ሠለተ አካላት ማለት ከዓ ብዛዕባ ሥላሴ ግንዛበ ስለዘይነበሮም ኢየሱስ ”አምላክ እየ አምልኹኒ”ዝብል ቃል ተዝዛረብ ”አብ እየ” ዝብል ዘሎ ስለዝመስሎም ከምዚ ኢልካ ምዝራብ ግርታ ካብምፍጣርና አብ ልዕሊኡ ‘ውን ተቃወምቲ ካብ ምልዓል ሓሊፉ ካልእ ረብሓ የብሉን። ስለዚ ኹሉግዘ አምላኽነቱ ዝገልፁ ስራሕቲ እና ሰርሐን አብ ትምህርቱ ውሽጢ ጥበብ ብዝተመልአ መንገዲ እናነገሮሞ ሰባት አምላኽ ምዃኑ ናብ ምፍላጥ ደረጃ ንኽመፁ መሪሕዎም ። ግን ከዓ እዚ ክገብር እንከሎ ምስ አብኡ (አብ) ዘለዎ ናይ አካል አፈላላይ ግልጺ ብምግባር እዩ።
  • ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ልዕሊ ምድሪ እናተመላለሰ አብ ዝነበረሉ እዋን ካብ ከልኦት ሰባት ዝተፈለየ መልክዕ አይነበሮን። ሕዚ ሓደ ሰብ መጺኡ ”አምላኽ እየ አምልኹኒ” እንተዝብለና ከምዘይንቅበሎ ኢየሱስ ክርስቶስ እውን በቲ እዋን ከምዚ እንተዝብል ነይሩ ከዓ ተቃወምቲ ካብ ምትራፍ ወፃኢ ምንም ጥቅሚ አይህልዎን ነይሩ። ”አምላክ እየሞ አምልኹኒ” ካብ ምባል ዝበለፀ ብተግባር አምላኽ ምዃኑ ምግላፅ አቲ ዘሐሸ ምዃኑ ነዚ ገይሩ። ሰባት እውን ድማ ስርሑ ብምርአይ አምላኽነቱ ናብ ምፍላጥ እንትመፁ ከምኡ ‘ውን ንአምላኽ ዝግበኦ ኽብሪ እንትህብዎ ብምስማዕ እውን እንተራጋግፀሎም እምበር ዋላ ሓንቲ ግዜ እንትቃወሞም (እንትፃረሮም) አይተረአየን (ዮሐንስ 20:24-29)፡፡

ኢየሱስ አምላኽ ምዃኑ ዝገለፀሎሞ መንገዲታት

መሲህ ምዃኑ (ክርስቶስ ምዃኑ) እንትዛረብ :-

ኢየሱስ ክርስቶስ ብቡልይ ኪዳን መሲህ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ተዛሪቡ እዩ (ማቴዎስ 16:13-17፣ ዮሐንስ 4:25-26፣ 26:1-3፣ ማርቆስ 14:1-2፣ 12:35-37፣ 13:26-27 ፣ሉቃስ 24:13-15፣ 24:25-27፣ 24:44-49 ንርአይ።)

ናይ ቡሉይ ኪዳን ትንታት መሲህ ምዃኑ ይዛረቡ እዮም :-

“ሕጻን ተወሊዱልና፡ ወዲ ተውሂብና እዩ እሞ፡ እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኲቡ እዩ፡ ስሙውን ግሩም፡ መካር፡ ብርቱዕ ኣምላኽ፡ ኣቦ ዘለኣለም፡ መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ። ብፍርድን ብጽድቅን ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለኣለም ምእንቲ ኼጽንዓን ኬቚማንሲ፡ ኣብ ዝፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን ዕቤት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን። ቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ነዚ ኺገብር እዩ።” (ኢሳይያስ 9፡6-7)

“ኣቲ ጓል ጭፍራ፣ ጭፍራኺ ኣክቢ፣ ብኽቢ ይኸቡና፣ ነቲ ፈራዲ እስራኤል ብበትሪ ምዕጕርቱ ይወቕዕዎ። ግናኸ፣ ኣቲ ኣብ ማእከል ኣሽሓት ይሁዳ ዝነኣስኪ ቤት-ልሄም ኤፍራታ፣ እቲ ምውጻኡ ካብ ጥንቲ ካብ ዘለኣለም ዝዀነ፣ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዚኸውን ካባኺ ኸወጸለይ እዩ።” (ሚክያስ 5፡1-2)

“እንሆ፣ ኣነ ልኡኸይ እልእኽ ኣሎኹ፣ ንሱ ቐቅድመይ መገዲ ኺጸርግ እዩ። ብኡብኡ ኸኣ እቲ እትደልይዎ ጐይታ ናብ መቕደሱ ኺመጽእ እዩ፣ እቲ እትናፍቕዎ መልኣኽ ቃል ኪዳን እንሆ፣ ይመጽእ ኣሎ፣ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ግናኸ ንሱ ኸም ናይ ኰላዒ ሓውን ከም ናይ ሓጻቢ ሳሙናን እዩ እሞ፣ ነታ መዓልቲ ምምጻኡ መን ይጽመማ፡ ንሱ ኺግለጽ ከሎስ፣ መን ይቐውም፡  ንሱ ኸኣ ነቲ ብሩር ኪዅልዕን ኬጽርን ኪቕመጥ እዩ። ንደቂ ሌዊ ኼጽርዮም፣ ከም ወርቅን ብሩርን ከኣ ኪዅልዖም እዩ፣ ንሳቶምውን ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ብጽድቂ ኺስውእሉ እዮም።” (ሚልክያስ 3 ፡1-3)

“ዎ ኣምላኽ፣ ዝፋንካ ንዘለአለመ ኣለም እዩ፣ ዘንጊ መንግስትኻውን ዘንጊ ቕንዕና እያ። ጽድቂ ትፈቱ፣ ረሲእነት ትጸልእ። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብአካ።” (ዳዊት 45፡6-7)

አብ ላዕላይ ዘለው ኽልተ ነጥብታት ምኽንያታዊ ብዝኾነ መንነገዲ እንትንቀምጦም ከም ዝስዕብ ይኸውን

  • ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ብሉይ ኪዳን ትንቢት ዝተነገረሉ መሲህ ምዃኑ ተናጊሩ እዩ ።
  • ብቡሉይ ኪዳን ትንቢታት መሰረት እቲ መሲህ አምላኽ እዩ ።
  • ስለዚ ኢየሱስ ክርስቶስ አምላኽ ምዃኑ ተዛሪቡ እዩ።

እዚ ቀሊል ሲሎጂዝም (ናይ ምኽንያታዊ ዓረፍተ ነርገ ድርደራ) ኢየሱስ አምላኽ ምዃኑ ኸምዝተዛረበ ብግልፂ ዘርኢ እዩ።

በሰማይ ብደመና ዝመፅእ ”ወዲ ሰብ” ምዃኑ ብምንጋር :-

ኢየሱስ ክርስቶስ ብተደጋጋሚ ”ወዲ ሰብ” ዝብል መዓርግ እናተጠቀመ ንርኢ ኢና (ማርቆስ 13:23-27፣ 14:60-64)

”ወዲ ሰብ” ዝብል ስያሜ ሚስጥ እንረኽቦ ከዓ አብ ትንቢት ዳኒኤል 7:13-14 እዩ፡-

“ብራእያት ለይቲ እጥምት ነበርኩ፣ እንሆ ኸኣ ወዲ ሰብ ዝመስል ብደበና ሰማይ ይመጽእ ነበረ፣ ናብቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ በጽሔ፣ ናብ ቅድሚኡውን ኣቕረብዎ። ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኬገልግልዎስ፣ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተዋህቦ። ግዝኣቱ ዘይሐልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ፣ መንግስቱውን ከቶ ኣይክትጠፍእን እያ።”` (ዳንኤል 7፡13-14)

በዚ ጥቅሲ መሰረት እዚ ወዲ ሰብ  ዝተብሃለ አካል ህዝብታት ኹሎም ዝገዝእ፣ዘየሓልፍ ዘለዓለማዊ ግዝአት ዘለዎን ኸምኡ ከዓ ዘይጠፍእ መንግስቲ ዘለዎ እዩ።ካብ አምላክ ወፃኢ ከዓ ህዝብታት ኹሎም ኽግዝእሉ ዝግባእን ዘለዓለማዊ ግዝኣትን መንግስትን ኽህልዎ ዝግባእ መን እዩ? ኢየሱስ ክርስቶስ ”ወዲ ሰብ”ዝብል መዓርግ ምጥቃሙ ስጋ ለብሶ (ስጋ ለቢሱ)ዝፀመ አምላኽ ምዃኑ ንምርአይ ከምዝነረበ ካብዚ ትንቢት ንርዳእ ።

አምላኽ ጥራሕ ኽገብሮም ዝኽእሉ ነራገት ብምግባር :-

“ነዚ ከም ፅቡቅ ምሳሌ ኽኾነልና ዝኽእል ኢየሱስ ክርስቶስ ሓጥያት ይቅር ናይ ምባል ክእለት ኸምዘለዎ ምርአዩ እዩ፡፡” (ማርቆስ 2:1-12)

ካብ አአምላኽ ወፃኢ ሓጥያት ይቅረ ኽብል ዝኽእል መን እዩ?

ለአብ (ንአቡኡ) ዝግባእ ኽብሪ ንዕኡ እውን ኸምዝግባእ ብምንጋር :-

“ኵሉ ሰብ ከምቲ ነቦ ዜኽብሮ ገይሩ ንወዲ ምእንቲ ኬኽብሮስ፡ ፍርዲ ዘበለ ንወዲ ሃቦ እምበር፡ ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ። እቲ ንወዲ ዘየኽብሮ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦውን ኣየኽብሮን እዩ።” (ዮሐንስ 5፡22-23)

ንአብ(ንአቦ) እነኽብሮ እሱ እናምለኽና እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ እውን ከምእነኽብሮን ምኽባር እንኽእልን ንአቦ (ንአብ) እንህቦ ኽብሪ እንተደኣ ሂብና እዩ።

ናብኡ ኽንፅሊ እሱ ከዓ ዝለመናዮ ኹሉ ኸምዝፍፅመልና ብምዝራብ :-

“ኣነ ናብ ኣቦይ እኸይድ አሎኹ እሞ፡ እቲ ብኣይ ዚኣምን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ከም ዚገብር፡ ካብኡ ዚዓብውን ከም ዚገብር፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኽገብረልኩም እየ። ብስመይ ገለ እንተ ለመንኩም፡ ክገብረልኩም እየ።” (ዮሐንስ 14፡12-14)

ኢየሱስ ናይ ኹሉ ሰብ ፀሎት ንምስማዕ አብ ኹሉ ቦታ (ስፍራ) ክርከብና ኹሉ ክፈልጥ አለዎ። ዝለመናዮ ኹሉ ንምግባር ከዓ ኹሉ ዝኽእል ክኾን አለዎ። ካብ ሓደ አምላኽ ወፃኢ ፀሎትና ሰሚዑ ዝለመናዮ ኹሉ ክገብረልና ዝኽእል መን እዩ?

ኢየሱስ ክርሰቶስ ግን እዚ ኹሉ ምግባር ከምዝኽእል ተዛሪቡና እዩ ስለዚ አምላኽ ምዃኑ ተዛሪብና እዩ ።

አብ ኹሉ ስፍራ (ቦታ) ክርከብ ከምዝኽእል ፦

“ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሳማምዑ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ።” (ማቴዎስ 18፡19-20)

ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አብ እንእከበሉ ሰዓት ቦታ (ስፍራ) አብ ማእኸልና ክርከብ ዝኽእልን እስካብ መወዳእታ ምሳና ምዃን ዝኽእል አብ ኹሉ ቦታ (ስፍራ) ናይ ምርካብ ኽእለት እንተሃልይዎ ጥራሕ እዩ። ስለዚ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ክገብር ክምዝኽእል ምዝራቡ ብኻልእ ቋንቋ አምላክ ምዃኑ ምዝራቡ እዩ ።

ሰባት ብስሙ ናይ ሓጥያት ይቅርታ ከምዝረኽቡን በመናገር :-

“ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም እሞ፥  ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ካብ ምዉታት ኪትንስእ፡ ብስሙ ኸኣ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ካብ የሩሳሌም ጀሚሩ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ኪስበኽ፡ ጽሑፍ እዩ። በዚ ንስኻትኩም ምስክር ኢኹም።” (ሉቃስ 24፡45-48)

ካብ አምላኽ ወፃኢ ናይ ሓጥያት ይቅርታ ዝህብ ስም ናይ መን ስም እዩ?

ብስሙ ሕሙማት ከምዝድሕኑን አጋንንት እውን ከምዝወፁን ብምዝራብን ንአመንቲ ከምዚ ምግባር ንኽኽእሉ ስልጣን ብምሃብን :-

“ነቶም ዚኣምኑውን እዚ ተኣምራት እዚ ኺስዕቦም እዩ፥ ብስመይ ኣጋንንቲ ኼውጽኡ፡ ብሓድሽ ልሳን ከኣ ኪዛረቡ፡ ኣትማን ኪሕዙ እዮም፡ ዚቐትል እንተ ሰተዩ ኸኣ፡ ከቶ ኣይኪጐድኦምን እዩ፡ ኣእዳዎም ኣብ ሕሙማት ኬንብሩ ንሳቶምውን ኪሐውዩ እዮም። ጐይታና ኢየሱስ ምስ ተዛረቦም፡ ናብ ሰማይ ዓረገ፡ ኣብ የማን ኣምላኽውን ተቐመጠ። ንሳቶም ድማ ወጺኦም ኣብ ኵሉ ሰበኹ። ጐይታ ምሳታቶም ይገብር፡ ነቲ ቓልውን ብዚስዕብ ተኣምራት የጽንዖ ነበረ።” (ማርቆስ 16፡17-20)

“`እቶም ሰብዓ ልኡኻት ከኣ፥ ጐይታይ፡ ኣጋንንቲ ድማ ብስምካ ይግዝኡና ኣለዉ፡ እናበሉ ብሓጐስ ተመልሱ። በሎም፥ ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ኪወድቕ ከሎ ርኤኽዎ። እንሆ፡ ተመንን ዕንቅርቢትን ኵሉ ሓይሊ ጸላእን ክትረግጹ ስልጣን ሂበኩም አሎኹ፡ ዚጐድኣኩም ከኣ የልቦን። ግናኸ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ እተጻሕፈ ደኣ፡ ኣዚኹም ተሐጐሱ እምበር፡ መናፍስቲ ስለ እተመልኩልኩም፡ በዚ ኣይትተሐጐሱ። (ሉቃስ 10፡17-20)

አጋንንቲ ምውፃእ ዝኽእል ሕሙማን ክፍውስ ዝኽእል ካብ ናይ አምላክ ስም ካልእ ናይ መን ስም ክኸውን ይኽእል?

ሰባት ከምዚ ምግባር ንኽኽእሉ ስልጣን ኽህብ ዝኽእል ካብ አምላክ ካልእ መን እዩ?

ንመላእክቲ ክእዝዞም ኸምዝኽእልን ናቱ ምዃኖምን ብምዝራብ :-

“ድሕሪ መከራ እታ ቕነ እቲኣ ግና ብኡብኡ ጸሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ፡ ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁ፡ ሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም። ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ፡ ሽዑ ድማ ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም።” (ማቴዎስ 24፡29-30)

ካብ አምላኽ ካልእ ቅዱሳን መላእክት ከም ናይ ባዕሉ አገልገልቲ ገይሩ ምእዛዝን ምልአኽን ዝኽእል መን እዩ?

አብ መወዳእታ መዓልቲ ሙውታን ዘልዕል እሱ ምዃኑ ብምዝራብ :-

“ኣነ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘሎኹ። ንወዲ ርእዩ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረክብ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኽተንስኦ፡ እዚ ፍቓድ ኣቦይ እዩ እሞ፡ ካብቲ ንሱ ዝሃበኒ ዘበለ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እምበር፡ ሓደ እኳ ኸየጥፍእ፡ እዚውን ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እዩ።” (ዮሐንስ 6፡38-40)

ካብ አምላክ ካልእ አብ መወዳእታ ማዕልቲ ሙውታን ምልዓል ዝኽእል መን እዩ?

አብ መወዳእታ መዓልቲ አብ ልዕሊ ኹሉ ናይ ምፍራድ ስልጣን ዘለዎ እሱ ምዃኑ ብምንጋር :-

“ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ፡ ኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ፡ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ። ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ፡ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን፡ ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም። ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማን፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ የቑመን። ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ። ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚኤ፡ ኣስቴኹምኒ። ገይሸ፡ ተቐበልኩምኒ። ዐሪቀ፡ ከደንኩምኒ። ሐሚመ፡ በጻሕኩምኒ። ተኣሲረ፡ መጻእኩምኒ። ሽዑ እቶም ጻድቃን ይመልስሉ፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕናካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስቴናካ፧ መኣዝከ ጋሻ ኴንካ ርኤናካ እሞ ተቐበልናካ፧ ወይ ዐሪቕካስ ከደንናካ፧ መኣዝከ ሐሚምካ ርኤናካ ወይ ተኣሲርካስ በጻሕናካ፧ ይብሉ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። ድሕርዚ ኣብ ጸጋሙንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሐቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ። ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣየብላዕኩምንን። ጸሚኤ፡ ኣየስቴኹምንን። ገይሸ፡ ኣይተቐበልኩምንን። ዐሪቐ፡ ኣይከደንኩምንን። ሐሚመ፡ ተኣሲረ፡ ኣይበጻሕኩምንን።” (ማቴዎስ 25፡31-43)

“ኵሉ ሰብ ከምቲ ነቦ ዘኽብሮ ገይሩ ንወዲ ምእንቲ ኬኽብሮስ፡ ፍርዲ ዘበለ ንወዲ ሃቦ እምበር፡ ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ። እቲ ንወዲ ዘየኽብሮ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦውን ኣየኽብሮን እዩ።” (ዮሐንስ 5፡22-23)

ካብ አምላክ ካልእ አብ መወዳእታ መዓልቲ ብህያዋንን ብሙታንን ኽፈርድ ስልጣን ዘለዎ መን እዩ?

ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምሃብ ከምዝኽእል ብምዝራብ :-

“እተን ኣባጊዔይ ግና ድምጼይ ይሰምዓ፡ ኣነ ኸኣ ኤለልየን፡ ንሳተንውን ይስዕባኒ። ኣነ ኸኣ ህይወት ዘለኣለም እህበን፡ ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፡ ካብ ኢደይውን ዚምንዝዔን የልቦን። እቲ ንኣታተን ዝሃበኒ ኣቦይ ካብ ኵሉ ይዓቢ እዩ’ ካብ ኢድ ኣቦይ ሓደ እኳ ኺምንዝዔን ዚኽእል የልቦን። ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና። ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ኸም ብሓድሽ እምኒ ኣልዓሉ።” (ዮሐንስ 10፡27-31)

ካብ አምላክ ካልእ ናይ ዘለአለማዊ ህይወት ክህብ ዝኽእል የለን!

ንአምላኽ ጥራሕ ዝግበእ ስግደትን አምልኾን ብምቅባል :-

“ካባታቶም ሓደ ኸኣ ከም ዝሐወየ ምስ ረኣየ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ንኣምላኽ እናኣመስገነ ተመለሰ። እናኣመስገኖ ኸኣ ኣብ እግሩ ብገጹ ተደፍኤ። ንሱ ኸኣ ሳምራዊ እዩ። ኢየሱስ ግና፥ ዝነጽሁስ ዓሰርተ ደይኰኑን፧ እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ ኣለዉ፡ ብጀካ እዚ ኻልእ ዝዓሌቱስ ንኣምላኽ ክብሪ ኺህብ እተመልሰዶ የልቦን፡ ኢሉ መለሰ። ደሓር ከኣ፥ ተንስእ እሞ ኺድ። እምነትካ ኣሕወየትካ፡ በሎ።” (ሉቃስ 17፡15-19)

“ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ነቲ ዝገበሮ ተኣምራት ቈልዑውን ኣብ ቤተ መቕደስ ዓው ኢሎም፡ ሆሳእና ንወዲ ዳዊት፡ ኪብሉን ምስ ረኣዩ፡ ተናደዱ እሞ፡ እዚኣቶም ዚብልዎስ ትሰምዕዶ አሎኻ፧ በልዎ። ኢየሱስ ከኣ፡ እወ፡ ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን ምስጋና ኣዳሎኻ፡ ዚብልሲ እኳዶ ኣየንበብኩምን፧ በሎም።” (ማቴዎስ 21፡15-16)

እግዚአብሔር አብ ቅዱስ ቃሉ ውሽጢ ክብሩ ንማንም ከምዘይህብ ብተደጋጋሚ ተዛሪቡ እዩ (ዘዳግም 5:6-10፣ ኢሳያስ 42:8)። ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ናይ ሰባት ስግደትና ምስጋና ተቀቢሉ እዩ። ንአምላኽ ጥራሕ ዝግባእ ኽብሪ ብምውሳድ አምላኽ ምዃኑ አርእዩ እዩ።

ጎይታ ምዃኑ ብምዝራብ ፦

ናይ ሰባት ጎይታ :-

“ንስኻትኩም መምህርን ጐይታን ትብሉኒ አሎኹም፡ ኣነ ኸምኡ እየ እሞ፡ ጽቡቕ በልኩም። ኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ፡ ኣእጋርኩም ካብ ሓጸብኩስ፡ ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሐጽቡ ይግብኣኩም እዩ።” (ዮሐንስ 13፡13-15)

ናይ ሰንበት ጎይታ ምዃኑ :-

“እምበኣርከስ ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት ድማ እዩ፡ በሎም።” ማርቆስ 2፡28)

ብዙሓት ሙስሊም ኢየሱስ ”ጎይታነቱ ብግልጺ ምዝራቡ ስለ ዘይፈልጡ ጎይታ እየ ዝበለሉ ቦታአርእዩና”  ብምባል ይሓቱ እዮም። ነገር ግን አብ ዮሐንስ 13:13-15 ዝርከብ ቃል እንተነሪኦም ንኡሽተይ ድንግፅ ብምባል ይፀንሑሞ ካልእ ሜላ (ዘዴ) ይፈጥሩ። ”አብ መፅሐፍ ቅዱስ ውሽጢ ሰባት እውን ጎይታ ተባሂሎም እዮም” ይብሉ። ነገር ግን ኢየሱስ ጎይታነቱ ልክዕ ሐዋርያት ከምዝብልዎ ዓይነት ጎይታነት ምዃኑ ስለዝተዛረበ ሐዋርያት ብዝብልዎ መንገዲ እምበር ብናይ ባዕልና መንገዲ ክንትርጉሞ አይንኽእልን። በዚ ርዕሲ እዚ ብቀፃልነት ከምንሪኦ ሐዋርያት ናይ ኢየሱስ አምላክነት ይአምኑ ስለዝነበሩ ”ጌታ” እንትብልዎ አምላክነቱ ንምጥቋም እምበር ሓፍ ዝበለ ስልጣን ዘለዎም ሰባት ጌታ ብዝበሃልዎ መንገዲ እናፀውዕዎ አይኮነን። ኢየሱስ ጎይታ ምዃኑ ዝተዛረብሉ ካልእ አጋጣሚ ናይ ሰንበት ጎይታ ምዃኑ እዩ።እዚ ከዓ ብዘየሻሚ ኹነታት አምላክነቱ የርኢአና፤ ምክንያቱ ሰንበት ንእግዚአብሔር ዝተቀደሰ (ዝተባረኸ) መዓልቲ ምዃኑ አብ ብሉይ ኪዳን ውሽጢ ተዛሪቡ እዩ (ዘፀአት 31:12-17)። እግዚአብሔር ንባዕሉ አብ ዝቀደሶ (ዝባረኾ)  መዓልቲ ጎይታ ክኸውን ዝኽእል እግዚአብሔር ብቻ እዩ።

አብ ዮሐንስ ራእይ ዘለው መረዳእታታት ፦

አብዞም ጥቅስታት ውሽጢ ዝርከቡ ናይ ኢየሱስ ዝርርብ ናብ ሰማይ ምስ አረገ ዝተዛረቦም እዮም።

(1) ቀዳማይን ዳሕራይን

 “ኣልፋን ኦሜጋን፡ ቀዳማይን ዳሕራይን፡ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ።” (ራእይ 22 ፡13)

 “ምስ ርኤኽዎ ድማ፡ ከም ምዉት ኰይነ ኣብ ኣእጋሩ ወደቕኩ። ንሱ የማናይ ኢዱ ኣንበረለይ፡ ከምዚ እናበለ፡ ኣነ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን እቲ ህያውን እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ሞይተውን ነበርኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ፡ መርሖ ሞትን ሲኦልን ከኣ አሎኒ።” (ራእይ 1፡17-18)

ዝቀፂሉ ዘሎ ናይ ብሉይ ኪዳን ጥቅሲ እዚ ዝርርብ ክዛረብ ዝኽእል አምላክ ጥራሕ ምዃኑ የሪአና።

እግዚኣብሄር፡ ንጉስ እስራኤልን ተበጃዊኡን፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፡ ቀዳማይን ዳሕራይን ኣነ እየ፡ ብጀካይ ኣምላኽ የልቦን። ካብቲ ኣነ ነቲ ናይ ጥንቲ ህዝቢ ዝሰረትኩሉ ጊዜ ጀሚሩ፡ ከማይ ዚጽውዕ መን እዩ፧ እስከ ይዛረብ እሞ ይንገረኒ። ነቲ ዚመጽእን ዚኸውንን ይንገሩ። (ኢሳይያስ 44፡6-7)

(2) ኩላሊትን ልብን ዝምርምር

“ንደቃውን ብሞት ክቐትሎም እየ፡ ኣነ ልብን ኰላሊትን ዝምርምር ምዃነይ ከኣ ብዘለዋ ማሕበራት ኪፈልጣ እየን። ንነፍሲ ወከፍኩምውን ከከም ግብርኹም ክህበኩም እየ።” (ራእይ 2፡23)

ናይ ሰባት ዝተሓብአ ናይ ውሽጢ ሓሳብ ምርሚርኻ ምፍላጥ ዝኽእል ካብ አምላኽ ካልእ መን ክኸውን ይኽእል ።

እቲ ዝቅፅል ናይ ብሉይ ኪዳን ጥቅሲ እዚ ዝርርብ ክዛረብ ዝኽእል አምላክ ብቻ ምዃኑ የሪአና።

“ኣነ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገዱ፡ ከከም ፍረ ግብሩ ምእንቲ ኽህቦ፡ ንልቢ እምርምሮ ይምርምሮ፡ ንዀላሊት ከኣ እፍትኖ።” (ኤርምያስ 17፡10)

(3) ንኹሉ ከከም ስርሑ ዝኸፍል

“እንሆ፡ ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ ኸኣ፡ ዓስበይ ምሳይ እዩ።” (ራእይ 22፡12)

“ንነፍሲ ወከፍኩምውን ከከም ግብርኹም ክህበኩም እየ።” (ራእይ 2፡23)

አብመወዳእታ ናይ ፍርዲ መዓልቲ ንኹሉ ሰብ ከከም ስርሑ ክኸፍል ዝኽእል ካብ አምላክ ካልእ መን እዩ።

(4) አምላክ እየ ኢሉ እዩ

“እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፡ እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ አሎኹ፡ በለ። እዚ ቓልዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ፡ ጽሐፍ፡ በለኒ። ቀጺሉ ኸኣ፡ እዚ ኽዉን እዩ፡ ኣልፋን ኦሜጋን፡ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። ኣነ ንዝጸምኤ ካብ ዓይኒ ማይ ህይወት ብኸምኡ ኽህቦ እየ። እቲ ዚስዕር ነዚ ኺወርሶ እዩ። ኣነ ኣምላኹ ክዀኖ፡ ንሱውን ውሉደይ ኪዀነኒ እዩ።” (ራእይ 21፡5-7)

በዚ ጥቅሲ እዚ መሰረት አልፋን ኦሜጋን መጀመርታን መወዳእታን ዝኾነ እሱ አምላክ ምዃኑ ይዛረብ። አብ ራእይ 21:12-13 አልፋና ኦሜጋ መጀመርታን መወዳእታን ዝኾነ ቀልጢፉ ከምዝመፅእ ይዛረብ ።አብ ምዕራፍ 22:20 እዚ ቀልጢፉ ዝመፅእ ባዕሉ ኢየሱስ ክርሰቶስ ምዃኑ ተዛሪቡ እዩ። ስለዚ እቲ አልፋና ኦሜጋ ዝኾነ ቀልጢፉ ከምዝመፅእ ዝተዛረበ አብ ምዕራፍ 21:7-8 አምላክ ምዃኑ ዝተዛረበ ባዕሉ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ግልፂ እዩ።

እግዚአብሔር አብከ (ኣቦኡ) ብዛዕብኡ እንታይ ኢሉ?

ሙስሊም ቤተሰብ አብ ቁርኣን ውሽጢ ዝርከቡ ናይ አላህ ዝርርብ ከምዝኾኑ ዝአምንዎም ቃላት ብዘይ ምንም ቅድሚኩነት ይቅበሉ እዮም፡፡ንኣብነት ዒሳ ካብ ድንግል እዩ ተወሊዱ ንዝብል ዓብዪ እምነተ ንዝጥይቆ ንግግር ዝተቀበሉ ዒሳ ኣብ ውሽጢ ቁርኣን “ኣነ ካብ ድንግል ዝተወለድኩ እየ”ብምባል ስለ ዝተዛረበ እንተይኮነስ ኣላህ ባዕሉ ዒሳ ካብ ድንግል ከም ዝተወለደ ስለ ዝተናገረ እዩ፡፡ ዒሳ ካብ ድንግል ምውላዱ ንምእማን ንዕዖም ኣብ ውሽጢ ቁርኣን ዝተፅሓፈ ናይ ኣላህ ንግግር ጥራሕ እኹል እንተ ኮይኑ ንኣንሕና እውን ኢየሱስ ኣምላክ ምኻኑ ንምቅባል ናይ እግዛብሄር ኣቦ ወይከዓ ናይ አብኡ(አብ) ንግግር ጥራሕ እኹል ዘይኾነሉ ምንም ምኽንያት የለን፡፡ስለዚ እግዛብሄር አብ (አብኡ) ብዛዕባ ወዱ ብዛዕባ  ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላክነት እንታይ ኢሉ ከም ዝተዛረበ ናይ ዕብራውያን መልእክቲ  ፀሓፊ መዝሙረ ዳዊት ውሽጢ ዝተፅሓፈ ትንቢት ብምጥቃስ ዝተዛረቦ ንርአ፡፡

“ካብቶም መላእኽቲ ብዙሕ ዚበልጽ ስም ብዝወረሶ መጠን ክሳዕ ክንድዚ ኻባታቶም በለጸ። እስኪ፡ ካብ መላእኽቲኸ ንመኖም እዩ፡ ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ፡ ከም ብሓድሽ ድማ፡ ኣነ ኣቦ እዀኖ ንሱውን ውሉድ ይዀነኒ፡ ዝበሎ፧ ከም ብሓድሽ ድማ ነቲ በዅሪ ናብ ዓለም ኬእትዎ ኸሎ፥ ኵላቶም መላእኽቲ ኣምላኽ ይስግዱሉ፡ ይብል። ብዛዕባ መላእኽቲ ኸኣ፡ መላእኽቱ ንፋሳት፡ ኣገልገልቱውን ሃልሃልታ ሓዊ ዚገብር፡ ይብል። ብዛዕባ ወዱ ግና፥ ኣታ ኣምላኸይ፡ ዝፋንካ ንዘለኣለመ ኣለም ይነብር፡ በትሪ መንግስትኻውን በትሪ ቕንዕና እያ፡ ጽድቂ ፈቶኻ ዓመጻ ኸኣ ጸላእካ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብኣካ፡ እዩ ዚብል። ድማ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ኻብ ቀደም ንምድሪ ሰረትካያ፡ ሰማያትውን ግብሪ ኣእዳውካ እዮም። እዚኣቶም ኪጠፍኡ እዮም፡ ንስኻ ግና ትነብር፡ ኵሉውን ከም ክዳን ኪበሊ እዩ። ከም ዓለባ ድማ ክትጥቕልሎ ኢኻ፡ ኪልወጥውን እዩ፡ ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ፡ ዓመታትካውን ኣይኪውድኣን እየን፡ ይብል። እስኪ፡ ካብ መላእኽቲኸ ንመኖም እዩ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮምሲ፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ ዝበሎ፧ ኵላቶምዶ ነገልግሎት እቶም ምድሓን ኪወርሱ ዘለዎም ዚለኣኹ መናፍስቲ ኣገልግሎት ኣይኰኑን፡፡” (ዕብራውያን 1፡4-14)

በዚ ጥቅሲ መሰረት እግዚአብሔር አብ (አቡኡ) ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ መላእክቲ ዝሰግድሉ፣ ጎይታ፣ አምላክ፣ ናይ ዘለዓለም ዙፋን (መንበር) ዘለዎ፣ ናይ ሰማያት ፈጣሪ ወዘተ እናበለ ይፅወዖ። እዚ ንክርስትያ ኢየሱስ አምላክ ምዃኑ ንምቅባል በይኑ ይአክል (በቃ) እዩ ።

ሐዋርያት እንታይ ኢሎም?

ናይ ኢየሱስ ሐዋርያት ምስኡ ሓቢሮም ስለዝነበሩ መን ምዃኑ ካብ ማንም ብላዕሊ ይፈልጡ እዮም። ስለዚ ናታቶም ምስክርነት ንናይ ኢየሱስ አምላክነት ዐብዪ ማስረጃ እዩ። ብምቅፃል እቶም ሰባት ብዛዕባ አምላክነቱ ዝተናገርዎ ንርአ።

ስምዖን ጴጥሮስ

“ስምኦን ጴጥሮስ፡ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ባርያን ሃዋርያን፡ ናብቶም ማዕረ እታ ናትና ዝኽብረታ እምነት ብጽድቂ ኣምላኽናን ብመድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን እተመቕሉ፡ ብፍልጠት ኣምላኽናን ጐይታናን ኢየሱስን ኣባኻትኩም ጸጋን ሰላም ይብዛሕ። እቲ ብፍልጠት ክብሩን ደግነቱን ዝጸውዓና ኣምላኻዊ ሓይሉ ንህይወትን ንፍርሃት እግዚኣብሄርን ዚኸውን ኵሉ ኻብ ዚህበና፡፡” (2ይ ጴጥሮስ 1፡1-3)

የዘብዴዎስ ልጅ ዮሐንስ

“ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን።” (ዮሐንስ 1፡1-3)

“ግናኸ እቲ ወዲ ኣምላኽ መጺኡስ ነቲ ብዓል ሓቂ ኽንፈልጦ ኢሉ ኣእምሮ ኸም ዝሀበና፡ ንፈልጥ ኢና፡ ንሕና ኣብቲ ብዓል ሓቂ፡ ኣብ ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢና ዘሎና። እዚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ህይወትን እዩ።” (1ይ ዮሐንስ 5፡20)

ቶማስ

“ቶማስ መሊሱ ከኣ፡ ጐይታይን ኣምላኸይን፡ በሎ። ኢየሱስ ከኣ፡ ሳላ ዝርኤኻኒ ኢኻ ዝኣመንካ፡ እቶም ከይረኣዩ ዚኣምኑ ብጹኣን እዮም፡ በሎ።” (ዮሐንስ 20፡28-29)

ቅዱስ ጳውሎስ

ጌታ ኢየሱስ ዓይኒ ብዓይኒ ብምርአዩ ምክንያትና ምስ ሐዋርያት ኾይኑ ብምግልጋሉ መጠን ናይ ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ምስክርነት ቀሊል ግምት ዝውሃቦ አይኮነን። እሱኸ ብዛዕባ ኢየሱስ አምላክነት ታይ ኢሉ?

“ኣቦታት ከኣ ናታቶም እዮም፡ ክርስቶስውን ብስጋ ኻባታቶም እዩ፡ ንሱ ንዘለኣለም ብሩኽ ኣምላኽ፡ ልዕሊ ዂሉ እዩ። ኣሜን።” (ሮሜ 9፡5)

“ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሰብውን ምድሓን ኣምጺኡ፡ እቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ምግላጽ ክብሪ እናተጸቤና፡ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን እግዚአብሔርን እናመሰልና ክንነብር ይምህረና አሎ።” (ቲቶስ 2፡11-13)

አብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ መረዳእታታት ምስ ረአናዮምን አስተውዓልናዮምን ብድሕሪኡ  ኢየሱስ ክርስቶስ አምላክነቱ ከምዝተናገረን መፅሐፍ ቅዱስ አምላኽነቱ ከምዘረጋገፀን ዝኽሕድ ንሕሊንኡ ዝሓደረ  ሰብ አሎ ዝብል ግምት የብልናን።

 

እቲ መሲሕ ኢየሱስ