ዋና ገጽ

 

 

“አምላኽ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ኹሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር ከይጠፍእሲ ንወዱ በጃ ክሳዕ ዝህብ ከሳዕ ክንድዚ ንዓለም አፍቀራ ” (ዮሃ 3÷16) ፡፡ 

“ሽዑ ኢየሱስ ኣነ ብርሃን ዓለም እየ፡፡ እቲ ዝስዕበኒ ድማ ብርሃን ህይወት ክረክብ እምበር ብፀልማት አይከይድን ኢሉ ተዛረቦም” (ዮሃ 8÷12)፡፡

 
 

ኣብ ሃገርና ብዘለው ናይ ሥነ-መለኮት ምሁራን ብሸለልታ ካብ መንጎ ዝተሓለፉ እስላማዊ ናይ ህትመት ውጽኢታት  ብአሕመዲን ጀበል ዝተዳለወ  “ክርስቶስ ማነው ? 303 ወሳኝ ጥያቄዎች” ዝበሃል ትርጉሙ “ክርስቶስ መን’ዩ ? 303 ወሰንቲ ሕቶታት” ዝኾነ 140 ገጻት ዘለዎ መጽሐፍ ሓደ እዩ፡፡ ናይ’ዚ መጽሓፍ እዚ ርዕሲ ኣብ ናይ ክርስቶስ መንነት ዝዓለመ እንተመሰለኳ ብትሕዝትኡ ግና ዓበይቲ ናይ ክርስትና መሠረታት ንምንጋዕ ብዕሊ ዝተዳለወ ምዃኑ ግልጺ እዩ፡፡

አብ ውሽጢ እቲ መጽሓፍ ናይ ክርስቶስ አምላኸነት፣ ወልድነት፣ ስቕለት፣ ትንሳኤን ከምኡ ድማ ናይ እግዚአብሄር ስሉስ አሃዳዊነትን ተኣማኒነትን ንሕቶ ቐሪቢ ይርከብ፡፡

እዚ መጽሓፍ’ዚ ንእምነት ክርስትና ንምንሻው ንእምነት ክርስቲያናት ድማ ንምፅልእላእ ብኻልእ ወገን ድማ ንእምነት ምስልምና ብሞውዳስ አስላም ብእምነቶም ዘለዎም ምትእምማን ንምድልዳል ዝሃቀነ ዓላማ ዘለዎ እዩ፡፡ (ነዚ መጽሓፍ ዝተውሃበ መልሲ ብአምሓርኛ ዝተዳለው ስለዘሎ ከንብቡ ይኽእሉ እዮም  …)

ቁርኣን ደቂ-ኣንስትዩ ብዝምልከት ግልጺን መብርሂ ዘየድልዮን አስተምህሮ አለዎ፡፡ ብሓፈሽኡ ሓሳቡ ደቂ-ኣንስትዩ ካብ ደቂ–ተባዕቲዩ ከምዝንእሳን ደቂ-ተባዕትዩ ድማ ናይ ደቂ-ኣንስትዩ ወነንቲ ምዃኖም ዘርኢ እዩ፡፡ ካብዚ ሓሊፉ ድማ ፍጥረት ደቂ-ኣንስትዩ ካብ ሐፈሻዊ ናይ ደቂ ሰባት ደረጃ ብምትሓት ንወጽዒት ዘጋልጽ እዩ፡፡

ትሕዝቶ ቁርኣን ንምርዳእ ወሰንቲ ዝኾኑ ትውፊታት ሃዲስ’ውን ተመሳሳሊ መልእኸቲ አለዎም፡፡ ንደቂ-አንስትዮ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተውሃበ ቦታን ደረጃን ግና አብ እስለማዊ መጻሕፍቲ ካብ ዝተገለጹ ነገራት አዝዩ ዝተፈለየ እዩ፡፡ (ናይዚ ሙሉእ ጽሑፍ ብአምሓርኛ ዝተዳለው ስለዘሎ ከንብቡ ይኽእሉ እዮም  …)

ብመሰረት እምነት እስላም ቁርኣን ፍፁም ናይ ሰብ ኢድ ዘይኣተዎ ካብ ኣላህ ብቐጥታ ዝወረደ ግልፀት እዩ ዝበሃል፡፡ እዚ ግልፀት’ዚ ድማ ተንዚል ኢሎም ይፅውዕዎ፡፡.ኣብ ውሽጢ 23’ን ዓመታት ንመሓመድ ብጅብሪል አቢሉ ዝወረደሎም ናይ ኣላህ ቐጥተኛ ዘረባ እኸብካብ ከምዝኾነ እዩም ዝኣምኑ፡፡ “ኡም ኢል ኪታብ “(አደ እቲ መጽሓፍ) ብዝብል ዝፍለጥ ዘይተፈጠረ ነገር ግን ኣላህ ኣብዝነበርሉ ጊዜ ኹሉ ምስኡ ዝነበረ ጽሑፍ ከምዝነበረን ቁርኣን ድማ ናቱ ቅዳሕ ከሞዝኾነን ይዛረቡ ፡፡

ታሪኸ ቁርኣን ክነድንዕ ኸለና ግና እቲ ሓቂ ካብዚ ዝተፈለየ ኾይኑ ኢና ንረኽቦ፡፡ ሙስሊም ወገናትና ከም መጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ዝተቀበሉዎ ቁርኣን እሳቶም ካብዝኣምኑዎ ብተፃራሪ ናይ ሰብ ኢድ ከምዝኣተዎ ንርዳእ፡፡ እዚ ድማ ጥንታውያን ዝኾኑ እስላማዊ ጽሑፏት ዘረጋግጽዎ ሓቂ እዩ፡፡ (ናይዚ ሙሉእ ጽሁፍ ብአምሓርኛ ዝተዳለው ስለዘሎ ከንብቡ ይኽእሉ እዮም  . . .)