ደቀአንስትዮ አብ እስልምና

ቁርኣን ደቂ-ኣንስትዩ ብዝምልከት ግልጺን መብርሂ ዘየድልዮን አስተምህሮ አለዎ፡፡ ብሓፈሽኡ ሓሳቡ ደቂ-ኣንስትዩ ካብ ደቂ–ተባዕቲዩ ከምዝንእሳን ደቂ-ተባዕትዩ ድማ ናይ ደቂ-ኣንስትዩ ወነንቲ ምዃኖም ዘርኢ እዩ፡፡ ካብዚ ሓሊፉ ድማ ፍጥረት ደቂ-ኣንስትዩ ካብ ሐፈሻዊ ናይ ደቂ ሰባት ደረጃ ብምትሓት ንወጽዒት ዘጋልጽ እዩ፡፡

ትሕዝቶ ቁርኣን ንምርዳእ ወሰንቲ ዝኾኑ ትውፊታት ሃዲስ’ውን ተመሳሳሊ መልእኸቲ አለዎም፡፡ ንደቂ-አንስትዮ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተውሃበ ቦታን ደረጃን ግና አብ እስለማዊ መጻሕፍቲ ካብ ዝተገለጹ ነገራት አዝዩ ዝተፈለየ እዩ፡፡ (ናይዚ ሙሉእ ጽሑፍ ብአምሓርኛ ዝተዳለው ስለዘሎ ከንብቡ ይኽእሉ እዮም  …)