መንነትና

መንነትናን ዕላማን

ናብዚ ገጽ’ዚ እንኳዕ ብደሓን መጻእኹም፡፡ ሓቂ ንኸሉ አብ ሙሉእ ዓለም ብዝርከቡ ገበርቲ ሰናይ ፍቓደኛ ክርስቲያናት ዝተመሥረተ ድረ-ገጽ እንትኸውን እስልምናን ክርስትናን ዝምልከቱ አናዕሽቱ ፅሑፋት ፣ መጻሕፍቲን ዜናታትን ዝመሳስሉን ንንባብ ዘቕርብ እዩ፡፡ ናይ ኦዲዮን ቪድዮን ሓበሬታታ’ውን የቕርብ፡፡ ነዚ ድረ-ገጽ’ዚ ንምምሥራት መበገሲ ሞኽንያታትና እዞም ዝቕጽሉ እዮም፡፡

ደጋዊ ምኽንያታት

  1. ዓለምለኻዊ ዝኾኑ እስላማዊ ሓይልታት አዒንቶም አብ ኢትዮጵያ ብምግባር ከቢድ ዝኾነ ናይ ምስላም ወፍሪ ምኸፋቶም
  2. ናይ ድምፂ ፣ ናይ ምስሊን ናይ ፅሑፍን መራኸብቲ ማዕኸናት ብምጥቃም ክርስትና ናይ ምንሻው ወፍሪ ብአኽረርቲ ሙስሊም እናተኻየደ ምዃኑ
  3. ንክርስትና ዘዋርዱ እስላማዊ ድረ-ገፃት ፣ ጦማራት ፣ ማሕበራዊ ድረ-ገጻት ፣  ቡድናትን ምብርኻት
  4. ናይ ኢትዮጵያ ክርስቲያናት ኣብ ፓለቲካዊን ኣብ ኢኮኖሚያዊን ከምኡ ድማ አብ ማሕበራዊ ጉዳያት ዘለዎም ተሳትፎ ንምምሳን ብወጻኢን ብውሸጢ ዓዲን ዝርከቡ እስላማውያን ሓይልታት ወፍሪ እናተገበረ ምዃኑ
  5. ብተነፃፅሮ ሰላማዊ ክበሃል ዝኽእል ዝነበረ ባህላዊ ምስልምና ተፍሒሩ ኣብ ናይ ሕዝቢታት ስላምን ሓቢርካ ምንባርን ዘይአምን መኸረራይ ምስልምና እናተተከአ ምምፅኡ
  6. ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ሃገርና ክፍልታት መኽረርቲ ሙስሊም ንኽርስቲያናት ብፍምፍርራሕን ናይ ሽበራ ጥቕዓት ብምፍፃምን ናይ ወንጌል ሥራሕቲ ንምትእጉጓልን ፅዕረት እናገበሩ ምዃኖም

ውሽጣዊ ምኽንያታት

  1. አብዝሓ ኣመንቲ ወንጌል ናይ ሞብፃሕ ሥራሕ ናይ ቁሩባት ውልቀ-ሰባትን ናይ ቁሩባት አገልግሎት ዘርፍታትን ሓላፊነት ጥራይ ከሞዝኸነ ብሞቑፃር ካብ ጎይታ ዝተቐበሉዎ ሐደራ ብምዝንግዖም
  2. ምሁራን ክርስቲያናት እስልምና ብዝምልከት እናሰርሑዎ ዘለው ዓቃቤ -እምነታዊ ሥራሕ አዚዩ ዝንኣሰ ሞዃኑ
  3. አብዝሓ ክርስቲያናት ካብ ወገን እስልምና ንዝለዓሉ ሕቶታት ንምምላስ ዘለዎም ድልውነት ውሑድ ምዃኑ
  4. ክርስቲያናዊ ሚዲያታት ንአስላም ዘተኩር ስብከተ ወንጌል ዘይምክያዶም
  5. ብስም “ዓውዳዊ አተኣታትዋ ” ብዝብሃል ናይ ወንጌል አባጻጽሓ መገዲ ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ አስተምህሮታትና እስላማዊ መልክዕ ናይ ምልባስ ኣካይዳ ብመብዛሕተን ኣብያተክርስቲያናት እናተለመደ ምምፅኡን ብዙሕ ጥፍኣታት ሞስዓቡን

ናይዚ ድረ-ገጽ’ዚ ሓፈሻዊ ዕላማ ወንጌል ንፍጥረት ኹሉ ስበኹ ብዝብል ናይ ጎይታናን መድሓኒትናን ኢየሱስ ክርስቶስ ትእዛዝ መሰረት ወንጌል ብፍቕሪ ንአስላም ንምብፃሕን ክርስቲያን ወገናት ድማ እስላማዊ ዝኾኑ ሕቶታት ምእንታን ምምላስ ክኽእሉ ከምኡ’ውን ንሞስሊም መሓዙቶም ብዝተሳኽዐ መገዲ ምብጻሕ ምእንታን ክኽእሉ ምዕጣቕ እዩ፡፡

  1. ናይዚ ድረ-ገጽ’ዚ ዝርዝር ንሞስሊም ወገናትና ብዝርደኦም ኦዛራርባን አቀራርባን ወንጌል ምብፃሕ
  2. ናይ ኣስላም ዝተለመዱ ሕይታት ምምላስ
  3. ኣብ ክርስትና ንዝእመቱ እስላማዊ መጎተታት ዝግባእ መልሲ ምሃብ
  4. ንእስምልና መሰረታዊ አስተምህሮታት ዓፙቕ ብዝኸነ መገዲ ምምርማር
  5. ፅልኢትን ዘይምትእምማንን ብሞእላይ ንሓበራዊ መረዳእታ ኣብ መንጎ ክርስቲያናትን ኣስላምን ቢንቶ ምሥራሕ

ቕዋም እምነትና

  1. መጽሓፍ ቅዱስ ናይ እግዚኣብሄር ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ተኾኪቦም ዝፀሓፉዎ ኡነተኛን ዘይተለወጠን ቃለ- እግዚኣብሄር ምኻኑን ንክርስቲያናዊ አስተምህሮታት ብሕታዊ ፍልፍልን ላዕለዋይን ምዃኑ ንኣምን
  2. ብእግዚብሄር ስሉስ አሃዳዊነት ንኣምን፡፡ እዚ’ውን እቲ ናይ መጀመሪያ ናይ ኒቅያ ጉባኤ ሓዊሱ ዓበይቲ ብዝኾኑ ናይ ቤተክርስቲያን ጉባኤታት ከምኡ’ውን ቅዱስ አትናቴዎስን ዝኣምሰሉን ኣቦታት ብዘብርህዎ መሰረት እዩ
  3. ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሥጋ ዝተገለፀ አምላኽ ሞዃኑ ፤ ካብ ድንግል ምውላዱን መለኮታዊ ባህሪኡ ከይለወጠ ሓጢያት ዘይብሉ ፍፁም ሰብ ኮይኑ ኣብ ምድሪ ምንባሩን ፤ መለኮታዊ ተዓምራታት ብምስራሕ ናይ ደቂ ሰባት ሓጢያት ንምሥራይ ኣብ መስቀል ምሟቱን ፣ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ድማ ብሥጋ ካብ ምውታት ተንሲኡ ናብ ሰማይ ምዕራጉን ፣ ናይ ሓዱሽ ኪዳን መንጎኛ ሞዃኑን ኣብ ህያዋንን ኣብ ምውታትን ንኽፈርድ ብኽብሪ ደጊሙ ከምዝምለስን ንኣምን
  4. ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝርከብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ሓጢያትና ከምዝሞተን ካብ ምውታት ከምዝተንአን አሚንካ በምቕባል ናይ ሰብ ሥራሕ ብዙይትሓወሶ ናይ እግዚአብሄር ፀጋ (ነፃ ህያብ) ጥራይ ምዃኑ ንኣምን
  5. መንፈስ ቅዱስ ሣልሳይ ናይ ስላሴ ኣካል ምዃኑ ሞስ ኣብን ወልድን ማዕረ መለኮት ምዃኑ አብ ውሽጢ አመንቲ ብምንባር ድማ አመንቲ ሰናይ ሥራሕ ክሰርሑን ከቕደሱን ብዛዕባ ክርስቶስ ንኽምስክሩን ሓይሊ ከምዝህቦም ንአምን
  6. ንዝርዝር ክርስቲያናዊ አስተምህሮታት ብዝምልከት ዘለና ናይ እምነት ቕዋም ዓለም-ለኸ ምስ ናይ ወንጌላውያን አብያተ ክርስቲያናት ሕብረት ከምኡ’ውን ምስ ናይ ኢትየጵያ አብያተ ክርስቲያናት ሕብረት ቕዋም ሓደ እዩ፡፡ ይኹን እምበር ምስዞም ዝተጠቐሱ አካላት ናይ አስተምህሮ ሓድነት እምበር ምንም ዓይነት ተቋዋሚ ርኽክብ ከምዘይብልና ክፍለጥ ይግባእ።

እግዚአብሄር አምላኽ ይባርኸኩም !

ሓቂ ንኹሉ አገልግሎት ቡድን