መንፈስ ቅዱስ ያህዌ እዩ!
ምስክርነት ቅዱሳት መጻሕፍቲ
ታሪኻውን መጽሓፍ ቅዱሳውን ክርስትና እግዚኣብሔር ብሰለስተ ኣካል ከም ዘሎ ይምህር። እዚ ትምህርቲ እዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ኣምላኽ ኣብ ግምት ዘእተወ ኮይኑ፡ ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ድማ “ስላሴ” ብዝብል ስነ መለኮታዊ ቃል ይገልጽዎ። ናይ እግዚአብሄር ስሉስ ሓደነትካብቲ ቀንዲ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እኳ እንተኾነ፡ ከም “ናይ የሆዋ መሰኻኽር” ዝኣመሰሉ ኑፋቄ ጉጅለታትን ከም እስልምና ዝኣመሰሉ ነፀላ ሓድነት ዝኣምኑ ሃይማኖታትን ብትሪ ይቃወምዎ። ካብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ዝወጹ ኑፋቄታት መብዛሕትኡ ግዜ መንፈስ ቅዱስ ስብእና ዘይብሉ ሓይሊ ጥራይ ምዃኑ ክምህሩ እንከለዉ፡ እስልምና ግን መንነት መንፈስ ቅዱስ ምስ መልኣኽ ገብርኤል የደናግሮ። ቅዱስ ጽሑፋት ግና መንፈስ ቅዱስ ሓደ ካብቶም ሰለስተ ኣካላት ስላሴ ምዃኑን ያህዌ ድማ ኣምላኽ ምዃኑን ብንጹርን ብዘይጥርጥርን ይምስክሩ።
ኣብዚ ጽሑፍ እዚ መንፈስ ቅዱስ ያህዌ ኣምላኽ ምዃኑ ዘረጋግጹ ክፍልታት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ነቕርብ። ኣንበብቲ ነዚ ምስክርነት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብጥንቃቐ ክሓስቡን ንመንነት መንፈስ ቅዱስ ብዝምልከት ቅኑዕን መጽሓፍ ቅዱሳውን መርገጺ ክሕዙ ንላቦ።
ከምቲ ኣብቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ያህዌ ኣምላኽ ምዃኑ ዘረጋገጽናሉ ጽሑፍና ዝገለጽናዮ “ያህዌ” ዝብል ቃል ንእግዚኣብሔር ዝገልጽ ናይ እብራይስጢ ቃል ስለዝኮነ ኣብ ብሉይ ኪዳን እምበር ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ግሪኽ ኣይርከብን እዩ። ኣብዚ ጽሑፍ እዚ ብተመሳሳሊ መንገዲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ዝተጻሕፉ ክፍልታት ምስ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝተጻሕፉ ክፍልታት ብምንጽጻር መርትዖ ክንህብ ኢና።
“ንዑ፣ ፍግም ኢልና ንስገድ፣ አብ ቅድሚ እግዚኣብሄር(ያሕዌ)፣ ፈጣሪና፣ ንንበርከኽ። ንሱ ኣምላኽና እዩ፣ ንሕና ድማ ህዝቢ መጓሴኡ፣ ኢዱ እትኽብክበን ኣባጊዑ ኢና እሞ፣ ሎሚ ድምጹ እንተ ሰምዕኩም፣ ከም አብ መሪባ፣ ከምቲ ብመዓልቲ ማሳ አብ በረኻ፣ ኣቦታትኩም ኪፍትኑኒ፣ ኪዕዘቡኒ ኸለዉ፣ ግብረይ ዝረአዩ ዄንኩም፣ ልብኹም ኣይተትርሩ።” (መዝሙር 95፡6-8)
ዘማራይ ንጉስ ዳዊት ኣብ ዘጸ.17፡2 ሙሴ ንህዝቢ እስራኤል “ስለምንታይ ንኣምላኽ ትፈታተኑ?” ኢሉብዛዕባ ያህዌ ዝተዛረቦ ክፋል ንድሕሪት ተመሊሱ ዝጥምተሉ መዝሙር ክኸውን ከሎ እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ያህዌ” ዝበሎ ኣምላኽ እስራኤል መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ጸሓፊ እብራውያን የረጋግጸልና፤
“ምእንትዚ መንፈስ ቅዱስ ከምዚ ይብል ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም ከምቲ ብነድሪ በታ መዓልቲ ፈተና ኣብ በረኻ ዝገበርኩምዎ፡ ልብኹም ኣይተትርሩ። ኣብኡ ኣቦታትኩም እናተዓዘቡ ፈተኑኒ ግብረይ ከኣ ኣርብዓ ዓመት ረኣዩ። (ዕብ. 3፡7-9)
ኣብ ብሉይ ኪዳን ብእስራኤላውያን ኣብ በረኻ ዝተፈተነ ያህዌ፤ ኣብ ሓድሽ ኪዳን መንፈስ ቅዱስ ተባሂሉ ይግለጽ። እዚ ድማ መንፈስ ቅዱስ ያህዌ ኣምላኽ ምዃኑ የረጋግጸልና።
“ንሳቶም ድማ፡ ሰበይትኻ ሳራኸ ኣበይ ኣላ፧ በልዎ ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ድንኳን እንሃ፡ በለ። ሽዑ ንሱንዓመታ ኸምዚ ቕንያት እዚ ርግጽ ክምለሰካ እየ፡ ሰበይትኻ ሳራ ድማ እንሃ ሽዑ ወዲ ኺህልዋ እዩ በለ። ሳራ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ድንኳን ከላ፡ እዚ ሰምዔት….ንእግዚኣብሄርዶ ዚጨንቆ ነገር ኣለዎ፧ ንዓመታ ኸምዚ ቅንያት እዚ ብምዱብ ጊዜ ኽምለሰካ እየ። ሳራ ድማ ወዲ ኺህልዋ እዩ በሎ።” (ዘፍጥረት 18፡9-14)
ኣብዚ ክፍሊ ከም ዝተጻሕፈ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብታ ናብ ሰብ ገላትያ ዝጸሓፋ መልእኽቱ ንኣብርሃምን ንሳራን ወዲ (ይስሃቅ) ዝሃቦም እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃኑን ንሱ ድማ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑን የረጋግጸልና።
“ንሕና ኣሕዋተየ ከም ይስሃቅ ደቂ ተስፋ ኢና። ግናኸ ከምቲ ሽዑ እቲ ብናይ ስጋ እተወልደ ነቲ ብናይ መንፈስ እተወልደ ዝሰጐጎ፡ ሕጂውን ከምኡ እዩ። እቲ ጽሑፍከ እንታይ ይብል፧ ወዲ እታ ባርያ ምስ ወዲ እታ ጭዋ ኣይወርስን እዩ እሞ፡ ነታ ባርያ ምስ ወዳ ስደዳ። ስለዚ ኣሕዋተየ ደቂ እታ ጭዋ እምበር ደቂ እታ ባርያ ኣይኰንናን።” (ገላትያ 4፡28-29)
ኣብዚ ክፋል’ዚ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ከምቲ ብፍቓድ ስጋ ካብ ባርያኡ ካብ ኣጋር ዝተወልደ እስማኤል ብፍቓድ መንፈስ ቅዱስ (ያህዌ) ካብ ሰበይቱ ሳራ ዝተወለደ ንወዱ ይስሃቅ ከም ኣሳዲዱ፤ ኣብዚ ዘመን እዚ ድማ ከም ፍቓድ መንፈስ ቅዱስ ከም ብሓድሽ ንዘተወለድና ከም ፍቓድ ስጋ ዝተወልዱ ድማ የሳድዱና ኣለዉ ይብል አሎ። በዚ ድማ ንኣብርሃምን ሳራን ንይስሃቅ ዝሃቦም ያህዌ ኣምላኽ፤ ኩሉ ክገብር ዝኽእል መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ያገንዝበና።
” … እዚ ብዘመን የሮብዓም ወዲ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ናብ ሆሴእ ወዲ ብኤሪ ዝመጸ ቃል ኣምላኽ (ያህዌ) እዩ። ኣምላኽ (ያህዌ) ብመጀመርታ ብሆሴእ ክዛረብ ከሎ…” (ሆሴ 1፡1-2)
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ያህዌ እግዚኣብሄር ብነብያቱ ኣቢሉ ቃሉ ከም ዝልእኽን ብእኦም ኣቢሉ እውን ከም ዝዛረብን ንርኢ። ናብ ሓድሽ ኪዳን ምስ እንመጽእ ሃዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ነብያት ዝልእኽ እግዚኣብሔር (ኣብ) ምዃኑን ነብያት ዝመርሕን ብእኦም ኣቢሉ ዝዛረብን መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ይምስክረና፤
“ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።” (2ጴጥሮስ 1፡21)
ካብቲ ክፍሊ ከም እንርድኦ ነብያት ዝልእኽ “ያህዌ ኣቦ” እዩ፡ ብነብያት ኣቢሉ ዝዛረብ ድማ “ያህዌመንፈስ ቅዱስ” እዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ካብ ቀንዲ ነብያት ክሳብ ንኣሽቱ ነብያት ኩሎም ቅዱሳን መጻሕፍቲ ብነብያት ኣቢሉ ዝዛረብ ዝነበረ ያህዌ ኣምላኽ ንሱ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ የረጋግጸልና። (ያህዌ ብዓበይቲ ነብያት ሙሴ ኣቢሉ ዝተዛረበ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ዝምስክሩ ክፍልታት ርአ፡ ዘሁ 12፡2፤ 16፡40፤ 27፡23፤ እያሱ 20፡2-3፤ 1ነገ 8፡53።)
“ንንጉስ ንእግዚኣብሄር(ያህዌን) ጐይታ ሰራዊት(አዶናይ) ርእየን እየን እሞ ጠፋእኩ በልኩ።…ንሱ ድማ(አዶናይ) ኪድ እሞ ነዚ ህዝቢ እዚ ምስማዕሲ ስምዑ ግናኸ ኣይተስተውዕሉ ምርኣይሲ ርኣዩ ግናኸ ኣይተለልዩ ኢልካ ተዛረቦ። ምእንቲ በዒንቶም ከይርእዩ በእዛኖም ከኣ ከይሰምዑ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ ከይምለሱ እሞ ከይሐውዩስ ንልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ድፈኖ ነእዛኖም ኣጽምመን ነዒንቶምውን ዐምተን ኢሉ ተዛረበኒ። (ኢሳ 6፡5-10)
ኣብዚ ክፍሊ እዚ ንነቢይ ኢሳይያስ ዝለኣኸ ጎይታ እግዚኣብሄር (ኣዶናይ ያህዌ) ባዕሉ እቲ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ወንጌላዊ ሉቃስ ኣብ ግብሪ ሐዋርያት ከምዚ ይምስክረና፦
“…መንፈስ ቅዱስ ብነብዪ ኢሳይያስ ነቦታትኩም ጽቡቕ ተዛረቦም ከምዚ ኢሉ ናብዚ ህዝቢ እዚ ኺድ እሞ ንገሮም በእዛኖም ከይሰምዑ በዒንቶም ከይርእዩ፡ ኣእዛኖም ኣጽመሙ ኣዒንቶም ዓመቱ ብልቦም ከየስተውዕሉ ከይምለሱ ኣነውን ከየሕውዮምሲ ልቢ እዚ ህዝቢዚ ረጒድ እዩ እሞ ምስማዕስ ትሰምዑ ከቶ ኣይተስተውዕሉን ምርኣይውን ትርእዩ ከቶ ኣይትጥምቱን ኢኹም። እምብኣርስኸ እዚ ምድሓን ኣምላኽ ነህዛብ ከም እተላእከ ኣባኻትኩም ፍሉጥ ይኹን ንሳቶም ከኣ ኪሰምዕዎ እዮም።” (ሐዋ 28፡25-28)
ኣብ ብሉይ ኪዳን ንኢሳይያስ ትንቢት ክዛረብ ዝለኣኾ ጎይታ እግዚኣብሄር (ኣዶናይ ያህዌ) ኣብ ሓድሽ ኪዳን መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ይንገረና። እዚ ድማ መንፈስ ቅዱስ ያህዌ እግዚኣብሄር ምዃኑ ዝሕብር ካልእ ጽኑዕ መርትዖ እዩ።
ኣብ ላዕሊ ንጥቕስታት ሓድሽ ኪዳንን ብሉይ ኪዳንን ብምጥቃስ ዘቕረብናዮም ክፍልታት፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቶም ክልተ ቃል ኪዳን ምውካስ ከየድለየ፡ መንፈስ ቅዱስ ያህዌ ኣምላኽ ምዃኑ ዘረጋግጹ ብዙሓት ጥቕስታት ኣለዉ። ንኣብነት፡ ነዛ እትስዕብ ጥቕሲ እስከ ንርአ።
“መወዳእታ ዘረባ ዳዊት ድማ እዚ እዩ፡ ዳዊት ወዲ እሴይ ይብል እቲ ኽብ ኣቢሉ ዘቘሞ ሰብአይ እቲ ቕቡእ ኣምላኽ ያእቆብ እቲ ናይ እስራኤል ጥዑም ዘማሪ ይብል መንፈስ እግዚኣብሄር ብኣይ ተዛረበ ቃሉ ኸኣ ኣብ ልሳነይ ነበረ። ኣምላኽ እስራኤል በለ ከውሒ እስራኤል ተዛረበኒ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ብጽድቂ ዚነግስ እቲ ብፍርሃት ኣምላኽ ዚነግስ ንሱ ኸምቲ ደበና ዜብሉ ብጊሓት ጸሓይ እትበርቀሉ ጊዜ፡ እቲ ብድሕሪ ዝናም ብነጸብራቑ ኻብ ምድሪ ሳዕሪ ዜብቊለሉ፡ ከም ብርሃን ወጋሕታ እዩ። (2 ሳሙኤል 23፡1-4)
ኣብዚ ክፍሊ ንጉስ ዳዊት ንእግዚኣብሄር መንፈስን እግዚኣብሄርን ብምትካእ ከም ሓደ ግብርን ከምኡውን ከም ሓደ መለኮታዊ ባህሪን ክገልጾ ንርኢ።
ካብ ሓድሽ ኪዳን ሓደ ንውስኸሉ፡–
“ጴጥሮስ ከኣ በል ሃናንያ ንመንፈስ ቅዱስ ክትሕሱ ኻብ ዋጋ እቲ ምድሪ ኸኣ መቒልካ ኽትሐብእሲ ስለምንታይ ሰይጣን ንልብኻ መልኦ ከይተሸጠስ ናትካዶ ኣይነበረን ምስ ሸጥካዮስ ኣብ ኢድካዶ ኣይነበረን ከመይ ጌርካኸ ነዚ ነገርዚ ብልብኻ ሐሰብካዮ ንእግዚኣብሔር እምበር ንሰብ ኣይሐሶኻን በሎ። (ሐዋ 5፡3-4)
ኣብዚ ቦታ እዚ ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ንመንፈስ ቅዱስ ምሕሳው ንእግዚኣብሔር ምሕሳው ምዃኑ ምሕባሩ፣ መንፈስ ቅዱስ እግዚኣብሔር ምዃኑ ከም ዝኣመነ ዘርኢ እዩ።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ቅዱስ ኩሉ መለኮታዊ ባህርያት ከም ዘለዎ ተገሊጹ ኣሎ። ንኣብነት፥
l ፈጣሪ እዩ – እዮብ 33፡4፣ መዝሙር 33፡6፣ መዝሙር፣ 104፡29-30፣ እዮብ 33፡4
l ምሉዕ በኩለሄ (ኣብ ኩሉ ቦታ ይርከብ) – መዝሙር 139፡7-10፣ 1ቆሮ 2፡10-11
l ኣዕማሬ ኩሉ (ኩሉ ዝፈልጥ) – ኢሳይያስ 40፡13፣ ዮሃንስ 14፡16፣ 1ቆሮ 2፡10-11
l ከኃሊ ኩሉ (ኩሉ ዝኽእል) – ሚክያስ 2፡7፡መዝሙር 104፡30፡ማቴዎስ 12፡28፡ ሮሜ 15፡18-19
l ዘለኣለማዊ እዩ -ኢሳይያስ 48፡16፡ኢሳይያስ 61፡1፡ዮሃንስ 14፡16፡እብራውያን 9፡14
መንፈስ ቅዱስ መንነት ዘለዎ (አነ ክብል ዝኽእል) ኣካል ምዃኑን ከምቲ ገሊኦም ዝብልዎ ሓይሊ ጥራይ ከምዘይኮነ ቅዱሳን ጽሑፋት ይምስክሩ። ንኣብነት፥
l ይዛረብ፦- 2 ሳሙኤል 23፡2፣ ግብሪ ሃዋርያት 8፡29፣ ራእይ ዮሃንስ 2፡7
l ይመርሕ፡- ሮሜ 8፡14፣ ዮሃንስ 16፡13
l ይጽውዕን ተልእኾ ይህብን፡ ግብሪ ሃዋርያት 13፡2፣ 20፡28
l ይእእዝ፡ ግብሪ ሃዋርያት 8፡29
l ኣብ ኣመንቲ ይነብር፡ ዮሃንስ 14፡17፡ 1ቆሮ 6፡19
l ይምህር፦ ዮሃንስ 14፡26፤ 1ይ ዮሃ 2፡27
l ይልእኽ፦ ግብሪ ሃዋርያት 13፡4
l ሓይሊ ይህብ፡ ግብሪ ሃዋርያት 1፡8, 2 ጴጥሮስ 1፡21
l ይምስክር፡ ዮሃንስ 15፡26, 27, 16፡ 13,14
l ንኽምረር ይኽእል፡ ኢሳይያስ 63፡10
l ይሓዝን፡ ኤፌሶን 4፡30
l ሰባት ክሕስዉዎ ይኽእሉ፡ ግብሪ ሃዋርያት 5 3
l ሰባት ክጸርፍዎ ይኽእሉ፡ ማቴዎስ 12፡31
l ይክበር፦ መዝሙር 51፡11
l ህያባት ይህብ፡ 1ቆሮ 12፡27-28
l የጸናንዓና እዩ፡ ዮሃንስ 16፡7
l ይውቅስ፡ ዮሃንስ 16፡8-11
ስብእና ዘይብሉ ሓይሊ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ነገራት ክገብሮ ኣይክእልን እዩ።
ንተወሳኺ ንባብ፡ ስላሴ እና መንፈስ ቅዱስ።