ኢየሱስ፡ እግዚኣብሔር ወልድ
የሱስ መን እዩ? እዛ ሕቶ እዚኣ ኵሉ ሰብ ኪምልሳ ዘለዎ ኣገዳሲት ሕቶ እያ። ዓብዪ መምህር ሃይማኖት ድዩ ነይሩ? ወይስ ጽሉል ሰብ? ኣምላኽ ድዩ ነይሩ ወይስ ሰብ ጥራይ? ብዛዕባ መንነቱን ስልጣኑን ብዙሕ ክትዕን ክርክርን ኣሎ። ብዙሓት ሰባት ትሑት ጠባይ ዚምህር ንስርዓት ዘለዎ ሕብረተሰብ ከም ኣብነት ክኸውን ዝኽእል እንኮ ሰብ ጌሮም እዮም ዘቕርብዎ። ህይወቱን ትምህርቱን ብጥንቃቐ እንተ ኣጽኒዕና ግን እዚ ኣማራጺ እዚ ይንጸግ።
እቲ ውሩይ እንግሊዛዊ ጸሓፍን ፈላስፋን ዝዀነ ሲ.ኤስ.ሉዊስ ብዛዕባ የሱስ ከምዚ በለ፦“ከም ዓሻ ጌርካ ኽትርእዮ ስቕ ከተብሎ ከም እኩይ ጋኔን ጌርካ ድማ ክትቀትሎ ትኽእል ኢኻ። እንተ ዘይኰይኑ ኣብ እግሩ ተምበርኪኽካ ጐይታይን ኣምላኸይን ኢልካ ጸውዓዮ። እንተዀነ ግን ሓደ ዓብዪ ሰብኣዊ መምህር ጥራይ ኢዩ ዝብል ዘስሕቕ ዘረባ ኣይንዛረብ። ነቲ ኣማራጺ ክንሕዝ ምንም ክፍተት ኣይሓደገናን። ኣይፋሉን ኣይሓሰቦን።”
እቲ ሓቂ ኢየሱስ ኣምላኽ ምኋኑ እዩ። ናይ ሓሶት ትምህርትታት ንምልላይ ጽቡቕ መገዲ፡ ብዛዕባ የሱስ እንታይ ከም ዚምህሩ ምምርማር እዩ። ኑፋቄታትን ናይ ሓሶት ኣብያተ ክርስቲያናትን ብሓፈሻ ንኣምላኽ ክርስቶስ ይኽሕዱ። ንክርስትያናት እቲ ብዛዕባ የሱስ እንኣምነሉ ነገራት ንድሕነትና ይውስኖ እዩ።ብዛዕባኡ ዘሎና ፍልጠት ብዛዕባ ባህርን ዕላማን ኣምላኽን ምስኡ ዘሎና ርክብን ዘሎና ርድኢት ይውስን።
ሰባት ብዛዕባ መንነቱ እኳ እንተ ተደናገሩ የሱስ እቶም ናይ ሓቂ ሰዓብቱ ኸም ዚፈልጥዎን ከም ዚፈልጦምን ተዛሪቡ እዩ (ማቴዎስ 7፡21-23)። ስለዚ ብዛዕባ መንነት የሱስ ዓሚቝ ምርዳእ ክህልወና ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ። ኣምላኽ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝገለጸልና ብዛዕባ የሱስ ንምፍላጥና ቐንዲ ምንጪና ንሱ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ ዚብሎ፡ ብዙሕ ሸነኻት ዘለዎ ስእሊ ይህበና። የሱስ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ እንታይ ከም ዝበለን ካልኦት ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝበልዎን ብምርኣይ ንኣምላኽ ብዝበለጸ ክንፈልጦ ንኽእል ኢና።
መለኾትነቱ
ሎሚ ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ ሰባት ሰብኣውነት የሱስ ይጠራጠሩ እዮም ብዙሓት ግና መለኮትነቱ ይኽሕዱ እዮም። እንተኾነ ግና ምግላጽ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኢየሱስ ኣምላኽ ምዃኑ ይነግረና። ንኣብነት ኢሳይያስ ብዛዕባ ልደትን ንግስነትን ኢየሱስ አብ ዝተነበየሉ ትንቢቱ ብዛዕባ መለኮትነቱ ይዛረብ “ሕጻን ተወሊዱልና፡ ወዲ ተውሂብና እዩ እሞ፡ እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኲቡ እዩ፡ ስሙውን ግሩም፡ መካር፡ ብርቱዕ ኣምላኽ፡ ኣቦ ዘለኣለም፡ መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ።” (ኢሳ 9፡6)
ኢየሱስ ባዕሉ “ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና” (ዮሃ 10፡33) ብምባል መለኮቱ ኣዊጁ። ናይ ዘመንና ምሁራትን ተጠራጠርትን የሱስ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ክካትዑ ይኽእሉ እዮም፣ እቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ሰማዕቲ ግና ብልክዕ ተረዲኦምዎ እዮም። እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትብል – “ስለቲ ምጽራፍካን ሰብ ክነስኻ ንፍስኻ ኣምላኽ ስለ ምግባርካን እምበር፡ ስለቲ ጽቡቕ ግብርታትካስ ኣይኰንናን ብእምኒ እንቐትለካ፡ ኢሎም መለስሉ።’’ (ዮሃንስ 10 33)
ድሒሩ ብዙሕ ተቓውሞን ዕግርግርን ምስ ተላዕለ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “እቲ ንኣይ ዝረኣየ ነቦ ረኣዮ።” (ዮሃ 14፡9-13) ኢሉ ኣረጋጊጹሎም። ኣብ ከምዚ ኩነታት ኢየሱስ ንኣቦ ክገልጽ እዩ መጺኡ (ዮሃ 1፡18)። ንሱ ኣምላኽ ምዃኑን ምስ ኣቦ ዘለዎ ርክብን ብንጹር ስለ ዝገለጸ ሰዓብቱ ነዚ ሓቂ እዚ ክርድእዎን ክጸናንዑን ይኽእሉ ነይሮም።
ኣብ ብሉይ ኪዳን መለኮት ኢየሱስ ካብ ዝጥቀስን የሱስ ባዕሉ ኣምላኽ ወዲ ምዃኑ ካብ ምዝራቡንብተወሳኺ ጸሓፍቲ ሓድሽ ኪዳን እውን መለኮት ምዃኑ ገሊጾም እዮም። ንዕቤት ክርስቶስን ነቲ ብዛዕባ መጀመርታ ፍጥረት ዚገልጽ ኣብ ዘፍጥረት ዚርከብ ጸብጻብን ብምጥቃስ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ:- “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዚርኤን ዘይርኤን፡ ዝፋናት ኰኑ ወይስ ጕይትነት፡ ሕልቅነት ወይስ ስልጣናት፡ ኵሉ ብእኡ ተፈጢሩ አሎ እሞ፡ ኵሉ ብእኡን ንእኡን እዩ እተፈጥረ። (ቈሎ. 1 16) ናይ ምፍጣር ስልጣን ናይ እግዚኣብሔር ምዃኑ ንጹር እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ስልጣን እዚ ምስ የሱስ ኣተሓሒዝዎ እዩ።
ጸሓፊ መጽሓፍ ዕብራውያን ብዛዕባ መለኮት ኢየሱስ ዘገርም ነገር ይዛረብ:- “ንሱ ናይ ክብሩ ነጸብራቕን ቅርጺ ባህርዩን ከሎ፡ ኵሉውን ብሓይሊ ቓሉ ጸዊሩ ኸሎስ፡ ምንጻህ ሓጢኣትና ምስ ገበረ፡ ኣብ ላዕሊ ኣብ የማን ግርማ ተቐመጠ።” (ዕብራውያን 1፡3) ኣብዚን ኣብ ምሉእ ሓድሽ ኪዳንን ከም ዝተገልጸ፡ መለኮት ኢየሱስ ኣብ ተልእኾኡን ኣገልግሎቱን ማእከላይ እዩ። ሰባት ነዚ ሓቂ እዚ ይቕበልዎ ይነጽግዎ ካብ ልቦም ክኽሕድዎ ኣይክእሉን እዮም።
ሰብነቱ
ኣንጻር መለኮቱ ኢየሱስ ሰብ ምዃኑ ዝኽሕዱ ሰባት ሳሕቲ ኢና ንረክብ። ከምኡ ዝዀነሉ ምኽንያት ድልዱል ታሪኻዊ መርትዖ ስለ ዘሎ እዩ ። መጽሓፍ ቅዱስ የሱስ ሰብ ጥራይ ዘይኰነስ ሰብን ኣምላኽን ከም ዝዀነ እዩ ዚምህር ። ዮሃንስ 1 1-14 የሱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ብምእዋጅ ነዚ ዜደንቕን ምስጢራውን ሓቂ ኣፋለጠቶ፦ «ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ…እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና።” ብኻልእ ኣዘራርባ ኢየሱስ 100% ኣምላኽ 100% ሰብ እዩ። ሓደ መንነት ምስ ክልተ ባህርያት፤ ሰብን ኣምላኽን እዩ።
ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ልክዕ ከማና ሰብኣዊ ህይወት እዩ ዝነብር ነይሩ። ቃንዛ፡ ሓዘን፡ ሓጎስን ሓላፍነትን ተሰሚዕዎ እዩ። ፈተናታትን መከራን ሓጐስን ኣጋጢምዎ እዩ። ከም ሰብ ዘሕለፎ ተመኩሮ ንዓና ብዙሕ ትርጉም ኣለዎ። ከም ሓደ ሓውናን ኣባል ስድራ ቤትናን ጌርና ንቆጸሮ ንኽእል ኢና።መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝብሎ እዚ ምስ ኢየሱስ ዘሎ ስድራቤታዊ ምትእስሳር እሱ ኣብ ሕይወትና ዝፍፅሞ ማእከል ኣገልግሎቱን ሓጐሱን እዩ፦ “እቲ ዚቕድስን እቶም ዚቕደሱን ኵላቶም ካብ ሓደ እዮም…ኣሕዋተይ ንምባሎም ኣይሐፍርን እዩ።” (ዕብ. 2፡11-13)
ከም ሓቀኛ ዓርኪ (ናይ ቀረባ ዓርኪ) ኢየሱስ ውሽጥና ከም ዝርድኣናን ኩሉ ምሳና ከም ዝካፈል ዮሓንስ ጽሒፉ ኣሎ (ዮሃ 15፡13-15)። ፍጹም መራሒ ኸም ምዃኑ ድኻምና ተረዲኡ ይሕግዘና ምኽንያቱ ንሱ ባዕሉ ሓጢኣት ኣይገበረን እምበር ተፈቲኑ እዩ (ዕብ 4፡14-16)። ሰብ ኮይኑ ዝመጸ ኣምላኽ ጥራይ ክገብሮ ብዝኽእል መንገዲ ከም ዓቢ ዓርኪ ምእንታና ርእሱ መስዋእቲ ገይሩ እዩ (2ቆሮ 5፡21, 1ጴጥ 2፡21)።
መሲሕ ምዃኑ
ካብቲ ብዛዕባ መለኮት የሱስን ሰብኣውነትን ዚዛረብ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንርድኦ፡ የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጸ ንዕላማ እዩ ነይሩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን እግዚኣብሔር ንህዝቢ ሓራ ዘውጽእ መሲሕ ወይ ንጉስ ናብ ምድሪ ክሰድድ ብተደጋጋሚ ቃል ኣትዩ ነይሩ። ብዛዕባ እዚ መሲሕ ኣሃዝ ክልተ ተጋራጫዊ ዝመስሉ ነገራት ተዛሪቦም እዮም። ኢሳይያስ 53፡1-6 ብዛዕባ “ናይ ህማም ሰብ” ብዛዕባ ሓጢኣት ህዝቢ ዝመውት ባርያ ይዛረብ።ኣብ ካልእ ቦታ ኸኣ ኢሳይያስ ብዛዕባ ሓደ ንጸላእቲ ኣምላኽ ዝስዕርን መወዳእታ ዘይብሉ ናይ ሰላም ግዝኣት ዘቝምን ሓራ ዘውጽእ ንጉስ ይዛረብ (ኢሳይያስ 9:6)።
እዞም ክልተ ተጋራጫዊ ዝመስሉ ምስልታት ባህርያት መሲሕ ነቶም ፖለቲካውን ባህላውን ሓርነት ከምጽእ እዩ ኢሎም ዝኣመኑ ኣይሁድ ዓቢ ጸገም ፈጢሮምሎም። ንኽልቲኡ ትንቢታትን መብጽዓታትን ከዓርቕዎ ይጽዕሩ ስለ ዝነበሩ፡ ምምጻእ መሲሕ ከለልዩ ኣይከኣሉን። መከራ ዝበዝሖ ኣገልጋሊ ኰይኑ ስለ እተቐድም፡ ንመዐቀኒታቶም ኣየማልአን። ኢየሱስ መሲሕ ወይ ክርስቶስ (ቅቡእ) እየ ኢሉ። ሕይወቱ ሂቡ ዳግማይ ሞት ብምስዓር ዝተንስአ ኣምላኽ-ሰብ ኮይኑ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ትንቢታት መሲሕ ክፍጽም ዝኸኣለ ንሱ ጥራይ እዩ። ብቐዳምነት፡ ስለ ሓጢኣትና ሞይቱ ምስ ኣምላኽ ኪዓርቐና መከራ ከም ዝቕበል ኣገልጋሊ ኮይኑ እዩ መጺኡ።”ወዲ ሰብ ድማ ኬገልግል ህይወቱውን በጃ ብዙሓት ኪህብ እምበር፡ ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን” (ማር. 10፡45፣ ዮሐ. 3፡14-15፣ 1ጴጥ. 3፡18፣ 1ዮሐ. 2፡2)
የሱስ ንህዝቡ ካብ ሓጢኣትን ጥፍኣት ዓለምን ሓራ ንምውጻእ ካልኣይ ሰዓሪ ንጉስ ኰይኑ ኸም ዚመጽእ እውን ተስፋ ሂቡ አሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ኣዊጁ ኣሎ :- “ክርስቶስ ነቶም ጸላእቱ ዘበሉ ትሕቲ ኣእጋሩ ክሳዕ ዚገብሮም፡ ክነግስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኩሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ምስ ሰዓረ፡ እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ምስ ወፈየ፡ ሽዑ እዩ መወዳእታ ዚኸውን።” (1ቆሮ 15፡24-25፣ ዮሐ. 14፡1-3፣ ራዕ. 9፡11-16)
የሱስ መን እዩ? ኢየሱስ ፍጹም ሰብን ፍጹም ኣምላኽን፣ ቅድሚ ሕጂ ዝመጸን ካልኣይን ዝመጽእ መሲሕ ምዃኑ እግዚኣብሄር ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ገሊጽዎ ኣሎ።ኣብኡ ኩሉ ምልኣት ኣምላኽ ብስጋ ይግለጽ (ቆሎ 2፡10)። ስለዚ ንየሱስ ከም ኣምላኽ ጌርና ኸነምልኾ ከም ኣብነትና ጌርና ኽንስዕቦ ከምኡውን ከም መድሓኒና ጌርና ኽንኣምኖ ኣሎና ።
መጠቃለሊ
እግዚኣብሄር ብወልድ ኣቢሉ ከመይ ገይሩ ርእሱ ከም ዝገለጸ ብምጽናዕ ዝያዳ ክንመሃር ንኽእል።
l ብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን ኣምላኽነት የሱስ ይእውጅ እዩ ።
l የሱስ ባዕሉ እውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ ተዛሪቡ እዩ ።
l ኢየሱስ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን እዩ።
l የሱስ ከም ሰብ መጠን ከም ሓደ ካባና እዩ ዚሕግዘናን ዚውክለልናን
ኣብነት ዚዀነናን እዩ ።
l የሱስ እቲ መከራ ዝሳቐ ኣገልጋልን ሓራ ዘውጽእን ንጉስ ዝኾነ መሲህ ምዃኑ ገሊጹ እዩ።
ማስታወሻ
(1) C.S. Lewis, Mere Christianity (San Francisco: Harper, 2001), 52.
ኢየሱስ ኣምላኽ ምዃኑ ዘረጋግጹ ጥቕስታት
- ኣምላኽ ይበሃል።
ዮሐ. 1:1፣14፣18፣ 10:30፣ 20:28 2ተሰ. 1:12፣ ሮሜ 9:5 ቲቶ 2:13፣ ቆላ. 2:9 ዕብ. 1:3
- ንኣምላኽ ኣቦይ ኢሉ ብምጽዋዕ “ንርእሱ ምስ ኣምላኽ ማዕረ ገበሮ”።
ዮሃንስ 5፡18
- ካብ ሰማይ ዝመጸ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ተነጊሩ አሎ።
ምስ ተጠመቐ ማቴ. 3፡16-17፡ ማር. 1፡10-11፡ ሉቃ 3፡21-22፤ ዮሃንስ 1፡32-34
ኣብ ግዜ ክብሪ እምባ፡ ማቴ. 17:5፣ ማር 9፡7፣ ሉቃስ 9፡35፤ 2 ጴጥ. 1፡17
- ኢየሱስ ምስ ናይ ብሉይ ኪዳን ያህዌ ሓደ እዩ።
ሉቃስ 1፡76 3፡1
ሮሜ 10፡13 ካብ ዮሃንስ 2፡32
ሮሜ 14፡9-11 ካብ ኢሳ. ምስ 45፡23-25 ኣነጻጽሮ።
- ኢየሱስ ኩሉ መለኮታዊ ባህርያት ኣለዎ። እዚ ባህርያት እዚ ናይ ፈጣሪ ጥራይ እዩ።
ዘለኣለማዊ፡ ኢሳ. 9:6፣ ዮሃ. 1፡1-2፣ 8፡58፣ 17፡5፡ ዕብ 1፡8፣ ራእ 1፡8
ኣብ ኩሉ ቦታታት ዝርከብ፡ ማቴ. 18፡20፡ 28፡20፡ ዮሃ. 3፡13፡ ኤፌ. 1፡23
ኩሉ ዝፈልጥ 9:4, ዮሃ. 2፡24-25፡ 6፡64፡ 16፡30፡ 21፡17፡ ቆሎ 2፡3
ኩሉ ዝኽእል፡ ኢሳ. 9:6፣ ማቴ. 28፡18፡ ፊል. 3፡21፡ ራእ. 1፡8
ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝነብር፡ እብ. 1፡10-12፡ 13፡8
- የሱስ ኣምላኽ ጥራይ ክገብሮ ዝኽእል ግብሪ ሰሪሑ እዩ ።
ምፍጣር፡ ዮሃ. 1፡3-10፡ ቆሎ. 1፡16-17፡ እብ. 1፡2, 3, 10
መግቦት፡ ሉቃስ. 10፡22፡ ዮሃንስ 3፡35, 17፡2፡ ኤፌ. 1፡22፡ ቆሎ. 1፡17
ሕድገት ሓጢኣት፡ ማቴ. 9:27፣ ማር. 2፡5-10፡ ቆሎ. 3፡13
ምዉታት ብምትንሳእ ምፍራድ፡ ማቴ. 25፡31-32፡ ዮሃ. 5፡19-30፡ ግብሪ ሃዋርያት 10፡42፡ 17፡31፡ ፊል. 3:21, 2 ጢሞ. 4፡1
ጸሎትን ኣምልኾን ተቐበለ፡ ሉቃስ 24፡51-52፡ ዮሃ. 5፡23 14፡14፡ ሃዋ 7፡59፡ 16፡31፡ ፊል. 2፡10,11፡ ዕብ. 1፡6