መንፈስ ቅዱስ
ፊልም ‹ስታር ዋርስ› ካብ እትወጸ ኣትሒዙ እቲ ኣብታ ፊልም ዘሎ “ሓይሊ ምሳኻ ይኹን” ዝብል“በረኸት’’ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ እዋን ፈተና ህይወት ብሓባር ብምዃን ሓይሊ ዝህብ ስብእና ዘይብሉ ሓይሊ ማለት እዩ። እቲ ዘሕዝን ግን ብዙሓት ክርስቲያን ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ከምዚ እዮም ዝሓስቡ። ንዓኣቶም መንፈስ ቅዱስ ብገለ መልክዑ ንህይወቶም ዝጸሉ ምስጢራዊ “ሓይሊ” ጥራይ እዩ። መንነትን ኣሰራርሓን መንፈስ ቅዱስ ምትንታን ከቢድ ምዃኑ ሓቂ እዩ። ንኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱሱ ምፍላጥ ዘምጽኦ ረብሓ ግን ካብቲ ንዕኡ ንምፍላጥ እንኸፍሎ ዋጋ ኣዝዩ ይበዝሕ።
መንፈስ ቅዱስ መን እዩ? እዚ ካልእ ስም ኣምላኽ ጥራይ ድዩ? ሓይሊ ነገር? ስብእና ዘይብሉ ሓይሊ? ዝተርፀለ መንነት? መንፈስ ቅዱስ ከም ስላሴ ንምርዳእ ኣጸጋሚ ኣምር እዩ። (ብርግጽ ዳርጋ ኩሎም ኑፋቄታት ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ክዛረቡ ከለዉ ይደናገሩ፤ መለኮቱ ይኽሕዱ።)
እቲ ዘሕጉስ ነገር ፍቓድ ኣምላኽን ሓቅን ዝገልጽ ብርሃን ቃል ኣምላኽ ኣሎና። እዚ ብፍላይ መንነት መንፈስ ቅዱስ ንምርዳእ ኣገዳሲ እዩ። ኣብዚ ናይ ታሪኽ እዋን እግዚኣብሔር ካብ ናይ ህዋሳት ኣካላትና ተሓቢኡ ኣሎ። ግን ዋላ እኳ ዘይርአ እንተኾነ ህላወኡ ናይ ብሓቂ ስለ ዝኾነ ናብ ጉዳያትና ኣትዩ ይሰርሕ። ንፋስ ዘይርአ እኳ እንተኾነ ክንገልጾን ውጽኢቱ ክንርኢን ንኽእል ኢና። ብተመሳሳሊ መንገዲ ንመንፈስ ቅዱስ ብዓይንና ክንርእዮ እኳ እንተዘይከኣልና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንርእዮን ኣብ ሕይወት ኣመንቲ ዝሰርሖ ስራሕ ተመልኪትና ክንምስክርን ንኽእል ኢና (ዮሃ 3፡5-8)። መጽሓፍ ቅዱስ ንመንፈስ ቅዱስ ዝገልጾ መንገዲ ብምርኣይ ንኣምላኽ ብዝበለጸ ክንፈልጦ ንኽእል።
መለኮትን መንነትን መንፈስ ቅዱስ
መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ይኹን ብዛዕባ መንግስቱ ተኸታታሊን ሰፊሕን ወግዓዊ ሓተታ ከምዘይህብ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሉ እቲ ኣምላኽ ኣብ ፍጥረቱን ኣብ ህዝቡን ዝገበሮ ነገራት ኩሉ መዝጊቡ ዝሃዘ መጽሓፍ ኣይኰነን። ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ብንጹር ይምህረና እምበር ንኣምላኽነትን ኣካልነትን መንፈስ ቅዱስ ዝገልጽ ሰፊሕ ሓተታ የብሉን። የግዳስ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽነትን ኣካልን መንፈስ ቅዱስ ከም ቅድመ ምርዳእ ብምሓዝ አብ እግረ መንገዶም ገሊጾም ይሀልፉ።
ኣብ ብዙሕ ባህልታት ንመጀመርታ ግዜ ምስ ሓደ ሰብ ክንራኸብ ከለና ብዛዕባ ስድራቤት ምሕታት ልሙድ እዩ። ኣስማት ስድራቤት ሓደ ሰብ ብምፍላጥ ናይቲ ዝረኸብናዮ ሰብ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዘለዎ ቦታን ዓውድን ክንፈልጥ ዕድል ክንረክብ ኢና። ብተመሳሳሊ መንገዲ መንፈስ ቅዱስ ምስ ካልኦት ኣካላት ስላሴ ዘለዎ ህብረት ብምፍላጥ መንነቱ ክንፈልጥ ይሕግዘና።
መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና እግዚኣብሄር ኣቦ ኣቐዲሙ ናይ ውጥን ስራሕ ከም ዝሰርሕ ክንርኢ ንኽእል። እግዚኣብሄር ወልድ ዝኾነ ኢየሱስ ድማ ነቲ ናይ ኣቦ ትልሚ ይፍጽሞ። ከም መከራ ዝቕበል ኣገልጋልን ሓራ ዘውጽእን ንጉስን ዘለዎ መሲሓዊ ኣገልግሎት ማእከላይ መንነቱ እዩ። ኣብ መወዳእታ ግደ መንፈስ ቅዱስ ነቲ መደብ ኣብ ሕይወት ኣመንቲ ምትግባር እዩ።
ነዚ ግደ ስላሴ ኣብ ስራሕ ድሕነት ክንርእዮ ንኽእል ኢና። ኣቦ ብምውጣን ንወልድ ሰደዶ። ኢየሱስ ኣብ መስቀል ሞይቱ ካብ ሞት ብምትንሳእ እቲ ውጥን ፈጸመ። መንፈስ ቅዱስ ንሰባት ናብ ክርስቶስ ብምምጻእን ኣብኦም ብምንባርን ውጽኢት ድሕነት ኣብ ህይወቶም ይትግብር::
ኣገልግሎታት መንፈስ ቅዱስ
ሓደ ሓደ ግዜ ምስ ሰባት ሕብረተ ንምፍጣር እቲ ዝበለጸ መገዲ እንታይ ከም ዝሰርሑ ምፍላጥ እዩ። ተግባር ካብ ቃላት ንላዕሊ ዓው ኢሉ ይዛረብ ዝብል ብሂል ሓቂ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ኣብ ክንዲ ኣመንቲ ብዙሕ ስራሕ ይገብር። ነዚ ኣገልግሎታት እዚ ምርኣይ ንመንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ክንፈልጦ ይሕግዘና።
መጀመርታ ክንሳሕ ከለናን ነቲ ናይ እግዚኣብሔር ህያብ ድሕነት ክንኣምን ከለና መንፈስ ቅዱስ ብዙሕ ህድሪታት ይህበና። ቲቶስ 3፡5 ከምዚ ይብል “ንሱ ብምሕረቱን ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዘድሓነና እምበር፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነን።” ዮሃንስ 3፡3-8 ከምኡውን ኤፌ. 2፡4-5 ብዛዕባ እዚ ኣገልግሎት ሓድሽ ልደት ይዛረብ። መጀመርያ ድሕንነት ክንቅበል ከለና መንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ መስዋእቲ ክርስቶስ ይምስክረና ንዕላማታት ኣምላኽ ድማ ይፈላልየና (ዕብ 10፡13-14)። ኣባና ይነብር፣ምእንታና ይማልድ (ሮሜ 8፡9 ፡ኤፌ 1፡13-14፡ ሮሜ 8፡26-27፡ 1ቆሮ 12፡7-11)። ድሕነት ክንረክብ ከለና መንፈስ ቅዱስ ኣብ ክንዲ ንሕና እዚ ይገብረልና እዩ ።
ካልኦት ናይ መንፈስ ቅዱስ ኣገልግሎታት ምስኡ ምስ እንሰማማዕ ጥራይ ኣብ ህይወት ኣማእቲ ዝፍጸም እዩ። ኩሉ ግዜ ንዕኡ እንድህር ተገዚእናን ሓይሉ ንለማመድ እንተኾይና መንፈስ ቅዱስ ብዛዕባ ሓጢኣት ከም ዝወቅሰና ሓቂ ከም ዝምህርን ዮሃንስ ይገልጽ (ዮሃ 16፡8-11, 13-26)። ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣብ ዝደለናዮ ግዜ ኣብ ሕይወትና ጸጋኡ ብምግላጽ ይመርሓና፣ ብሓይሊ የዕጥቐና፣ ይመልኣና። (ገላ. 5፡16-18፣ ሐዋ.1፡8፣ ኤፌ. 5፡18)። እዚ ማለት መንፈስ ቅዱስ እናቐደሰና ኣብ ህይወትና ጽልዋ እናገበረ ምሳና ይመላለስ ማለት እዩ (ዕብ. 10:13-14)።
መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሕይወት ኣመንቲ ካብ ምስራሕ ብተወሳኺ “ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣትን ብዛዕባ ጽድቅን ብዛዕባ ፍርድን ኪረትዓ እዩ።” (ዮሃ 16፡8-11)። ኣብ መወዳእታ መንፈስ ቅዱስ መለኮታዊ ትንፋስ ኮይኑ ነቶም ጸሓፍቲ ነቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንኽጽሕፉ ደረኾም (2ጢሞ 3፡16፣ 2ጴጥ 1፡20-21)።
ኣብ ሕይወት ኣመንቲ ዘሎ ህላወ መንፈስ ቅዱስን ኣብ ምልኣት መንፈስ ቅዱስን ዘሎ ፍልልይ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።
መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሕይወት ኣመንቲ ክነብር ዝጅምር ድህነት ምስ ተቐበሉ እዩ። እዚ ማለት መንፈስ ቅዱስ ናብ ሕይወት ኣማኒ ይኣቱ ማለት ኢዩ (ሐዋ. 2፡38, ሮሜ 8፡9, 1ቆሮ 12፡13, ኤፌ 1፡13-14)። እዚ ብቕጽበት ዝኸውን ናይ ሓደ ግዜን መወዳእታን ክስተት እዩ ። መንፈስ ቅዱስ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዕላማ ንምፍጻም ማለት ንኣመንቲ ንቕዱስ ዕላማ ንምፍላይ ኣብኦም ይነብር (ዕብ 10፡13-14)፡ ይሕትሞም (ኤፌ 1፡13-14)፡ ይማልድ (ሮሜ 8፡26-27)፡ ህያባት ይህብ (1ቆሮ 12፡7-11)፡ወዘተ።
ምልኣት መንፈስ ቅዱስ ዝፍጸም ሓደ ኣማኒ ድሕሪ ምድሓኑ ኩሉ ህላዌኡን ፍቓዱን ንኣምላኽ ኣሕሊፉ ክህብ ከሎ እዩ። ሓደ ኣማኒ ንርእሱ ኣሕሊፉ ክህብ ከሎ መንፈስ ቅዱስ ፍቓድ ኣምላኽ ክገብር ሓይሊ ይህቦ። ኩሎም ኣመንቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ንምግዛእ መዓልታዊ ቃልሲ ስለ ዘጋጥሞም ምልኣት መንፈስ ቅዱስ መዓልታዊ ክፍጸም ኣለዎ (ሐዋ 4፡23-41)።
ኤፌሶን 5፡18 “መንፈስ ይምላእኩም…” ይብል። “ምምላእ” ዝብል ግሲ ግሪኽ ህሉው ግዜን ቀጻሊ መስርሕን ስለዘመልክት “ደጋጊምካ ምምላእ” ዝብል ትርጉም ኢዩ ዘለዎ። ስለዚ እዚ ትእዛዝ እዚ ንኣመንቲ ብተደጋጋሚ ብመንፈስ ቅዱስ ክምላኡ ይነግሮም እዩ። ብመንፈስ ቅዱስ ምምላእ (ብመንፈስ ምምልላስ) ምርዳእ ኣብ ክርስትያናዊ ሕይወት ንምዕባይ ወሳኒ እዩ። ብመንፈስ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ምምላእ ዘተለማመደ ሰብ ምስ እግዚኣብሔር ጥቡቕ ርክብ፣ ትሑት መንፈስን ንኽመሃር ድሉው ዝኾነ ልቢ ኣገዳስነቱ ይፈልጥ እዩ።
ስለዚ መንፈስ ቅዱስን ኣብ ሕይወትና ዝሰርሖ ስራሕን እናሓሰብና ብትሕትና ከነመስግኖ የድልየና። ንሱ ኣብ ሕይወትና ዝሰርሕ፡ ንዕኡ ክንእዘዞ ኣብ እንጽዕረሉ እዋን ዝሕግዘና ኣምላኽ እዩ። ቃሉ ብምንባብን ብምጽላይን ክንደልዮ ይግባእ። ብዕድመ ዘመንና ምስኡ ብምትሕብባር ክንነብር ኣለና።
ኣምላኽና ብእግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ንርእሱ ብኸመይ ከም ዝገልጾ ብምጽናዕ ብዝበለጸ ክንፈልጦ ንኽእል።
- ናይ መጽሓፍስ ቅዱ ጸሓፍቲ ንኣምላኽነትን ኣካልን መንፈስ ቅዱስ ከም ቅድመ ምርዳእ ብምሓዝ አብ እግረ መንገዶም ገሊጾም ይሀልፉ።
- መንፈስ ቅዱስ ምስ ካልኦት ኣካላት ስላሴ ዘለዎ ሓድነት ምፍላጥና መንነቱ ክንፈልጥ ይሕግዘና።
- መንፈስ ቅዱስ ንሰባት ናብ ክርስቶስ ብምምጻእን ብውሽጦም ብምንባርን፡ ውጽኢት ድሕነት ኣብ ሕይወቶም ይትግብር።
- ገሊኡ ኣገልግሎታት መንፈስ ቅዱስ ብቕጽበት ኣብ ሕይወት ኣማኒ ዝትግበሩ ኢዮም
- ካልኦት ኣገልግሎት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሕይወት ኣመንቲ ዝፍጸሙ ምስኡ ምስ እንሰማማዕ ጥራይ እዩ።
- ብትሕትና እናኣመስገንና ምስኡ ብምትሕብባር ክንነብር የድልየና።
- እግዚኣብሄር ይበሃል : ሐዋ. 5፡3-4, 1 ቈረ. 3፡16
- ባህሪያት እግዚአብሄር ከም ዘለዎ ተነጊሩ አሎ
ወሃቢ ህይወት፡ ሮሜ 8፡2
ሓቂ፦ ዮሃንስ 16:13፣ 1ዮሃ. 5፡6
ፍቕሪ፡ ሮሜ 15፡30
ቅዱስ፡ ኤፌ. 4፡30
ዘለኣለማዊ፡ ዕብ. 9፡14
ምሉኡ በኩላሄ (ኣብ ኩሉ ቦታታት ዝርከብ)፡ መዝ. 139፡7-10
ኣእማሬ ኩሉ (ኩሉ ዝፈልጥ)፦ ዮሃ.14፡26፤16፡12-13
ከሃሊ ኩሉ (ኩሉ ዝኽእል)፡ ሉቃ.1፡35፣ እዮ.33፡4፣ ዘካ. 4፡6
ምፍጣር፡ ዘፍ. 1:2፣ እዮብ 33፡4
ዳግማይ ልደት፡ ቲቶስ 3፡5
ቅዱሳት ጽሑፋት ምግላጽ፦ 2 ጴጥ. 1፡21
ምዉታት ምትንሳእ፡ ሮሜ 1፡4
ኣብ ልደት ክርስቶስ ተሳቲፉ: ሉቃስ. 1፡35
ምቕዳስ: 2ተሰ. 2፡134.
ኢሳ. 6፡8-10 ምስ ሐዋ. 28፡25-27
ዘጸ.16:7 ከምኡውን መዝ. 95፡8-11 ምስ ዕብ. 3፡7-9
ዘፍ.1፡27 ምስ እዮ. 33፡4
ኤር. 31፡31-34 ምስ ዕብ.10፡15-17 ኣነጻጽሮ
ብዛዕባ ትእዛዝ ጥምቀት፡ ማቴ. 28፡19
ብበረኸት፡ 2ቆሮ. 13፡14
ብሰላም፡ 1 ጴጥ. 1፡2
ሀ. ፍልጠት
ምስጢር እግዚአብሄር ይፈልጥ፣ ይምርምር፣ 1 ቆሮ. 2፡10-11
ሓሳብ ኣለዎ፤ሮሜ 8፡27
ይምህር፣ 1ቆሮ. 2፡13
ለ. ስምዒታት
ይሃዝን፤ ኤፌ. 4፡30
ከፍቅር ይኽእል፤ ሮሜ 15፡30
ሐ. ፍቓድ
ህያባት ጸጋ ይዕድል: 1ቆሮ 12፡11
ይመርሕ: ሐዋ. 16፡6-11
ሓሳብ ይህብ: ሐዋ፤15፡28
ሀ. ዮሃ. 16፡14፣ 15፡26፣ 16፡7-8፣ 1ቆሮ.12፡8-11፣ ሮሜ.8፡16፣26፣ ኤፌ.1፡14
ለ. “መንፈስ” ዝብል ናይ ግሪኽ ቃል ጾታ ዘይብሉ እኳ እንተኾነ መንፈስ ቅዱስ ግን ኣብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ጽሑፋት ብተባዕታይ ተውላጠ ስም ይውከል።
ይምርምር፣ ይፈልጥ፣ ይዛረብ፣ ይምስክር፣ ይገልጽ፣ የእምን፣ ይምህር፣ ይእዝዝ፣ ይሰርሕ፣ ይንቀሳቐስ፣ ይሕግዝ፣ ይመርሕ፣ ይፈጥር፣ ዳግማይ ልደት ይህብ፡ ይቕድስ፣ የበራብር፣ ይማልድ፣ ስርዓት ቤተክርስቲያን ይመርሕ፣ ተኣምራት ይገብር፣ ምዉታት የተንስእ፣ የጽድቕ፣ ናብ ሓቂ ይመርሕ፣ ንሰባት ናብ ኣገልግሎት ይጽውዕ፣ ንክርስቶስ የኽብሮ ወዘተ።
ሀ. ሰባት ይቃወምዎ፣ ይፍተን፣ ይጽረፍ፡ ይሓዝን፡ ሰባት ይሕስዎ፡ ይእዘዝዎ፡ የኽብርዎ። (ነዞም ግብሪ መንፈስ ቅዱስ ዝገልጹ ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ ጥቕስታት ርአ።)
ለ. መንነት ዘይብሉ ሓይሊ ጥራይ እንተዝኸውን ነዞም ተግባራት ደቂ ሰባት ዝኾነ ስምዒት ኣይምሃለዎን።